ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ፑንትላንድ ልዕሊ 500 ኢትዮጵያውያን ብጃምላ ሰጕጉ


ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ዜጋታት ካልእ ሃገራት ብዝገብሩዎ ዘለዉ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ሎሚ ሓሙስ ንኣስታት 500 ኢትዮጵያውን ናብ ሃገሮም ኣፋንዮም።

እቶም ኣብ ቦሳሶ ዝተባህለት ከተማ ተገፊፎም ዝተኣኻኸቡ ዜጋታት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖምን ተኣሲሮምን’ዮም ተፈንዮም።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ቦሳሶ ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያውያን ንስራሕ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ዝዓለሙ’ዮም።

ዝሓለፈ ሰሙን ምምሕዳር ፑንትላንድ ናብቲ ምምሕዳር ብዘይ ፍቓድ ንዝኣትዉን ሕጋዊ መንበሪ ወረቐት ንዘይብሎምን ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ`ያ።

ፑንትላንድ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ምምሕዳር ዘሎ ሓይሊ ዳዒሽ ደምሳሲ ስጉምቲ ንምውሳድ መጥቃዕቲ ጀሚራ ኣላ።

ካብ መንጎ’ቶም ኣብ ፑንትላንድ ዝርከቡ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ከም ዝርከቡዎም ቅድሚ ሎሚ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሶማሊያ ገሊጾም’ዮም። እንተዀነ እዞም ሎሚ ተገፊፎም ዝተጠረዙ ዜጋታት ኢትዮጵያ ምስኡ ዝተኣሳሰር ስግኣት ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ ዘመልክት ብወገን ሰብ-መዚ ዝተባህለ የሎን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG