እቲ ብቤት ማሕተም ብርሃንና ሰላም ዝቐረበ ረቂቕ ውዕል፡ ንሕጊ ዝጠሓሰ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ከይሕተም ዝብል`ዩ፡ ኣስዒቡ፡ ቤት ማሕተም ንትሕዝቶ ጽሑፍ እንተዘይኣሚንሉ ኣይሓትምን ክብል ይኽእል`ዩ ይብል
ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ግን፡ ነዚ ሳንሱር ወይ ቅድመ-መርመራ ዝገብር ውዕል ምፍራም፡ ንሕልናናን ሞራልናን ወቐሳ`ዩ ይብሉ። እንተዘይፈሪምኩም ኣይተሕትሙን ኢኹም እንተተባሂልና፡ እናመረረና`ውን እንተኾነ፡ ምዕጻው`ዩ ዝሕሸና ይብሉ።