ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም'ሎ ንዝበሎ ጉድለት ፍትሒ ብምቅዋም ሓደ መንእሰይ ንርእሱ ኣቃጺሉ ይብሉ ነባሪ'ቲ ከባቢ


መምህር የኔውሰው ርእሱ ብሓዊ ዘንደደ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምኻኑ`ውን ተገሊጹ`ሎ

መምህር የኔሰው ገብሬ ዝተባህለ 29-ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ፍትሒ ንዝጎደሎ ምሕደራ እቃወም ብምባል ኣብ ከተማ ዋካ ኣብ ፊት ንፊት ቤት-ዕዮ መንግስቲ ርእሱ ብሓዊ አንዲዱ ርእሱ ሰዊኡ ክብሉ ሓደ ንደሕንነቶም ብምስጋእ ስሞም ኸይግለፅ ዝሓተቱ ነባሪ'ቲ ከባቢ ገሊፆም።

መምህር የኔሰው ገብሬ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ኣብ ከተማ ተርቻ ብሰበ-ስልጣን ይፍፀም'ሎ ንዝበሎ ኢ-ፍትሃዊ ምሕደራ ክገልፅ ከዝፀንሔ'ውን ሓቢሮም።

መምህር የኔውሰው ርእሱ ብሓዊ ዘንደደ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምኻኑን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ ኣብ ሆስፒታል ትማሊ ዓሪፍ ሎሚ ተቀቢሩ ክብሉ'ቶም ነባሪ ንሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ተዛሪቦም።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG