ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ወታደራዊ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሎሚ እውን ወጥሪ ቀፂሉ ከምዘሎን እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ወታደራዊ ቁፅፅር ከምዝወዓለን ተቓዋሚ ውድብ መኢኣድ ኣፍሊጡ።

ካብ ከተማ መተማ ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ተወለድቲ ትግራይ ንብረትና እናተዘረፈ ደው ኢሎም ዝርኣዩ ኣባላት ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ነቲ ዘረፋን ዕንወትን ንብረት ጠጠው ኣየበሉዎን ኢሎም ኣለው።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ብወገኖም ዝተመዛበሉ ሰባት ምህላዎም ከምዝፈልጡን ንዕኦም ንምምላስ ናይቲ ከባቢ መራሕትን ሽማግለታት ዓድን ከምኡ እውን እቲ ሕብረተሰብ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ፤ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ምስቲ ሕብረትሰብ ዝርርብ የካይድ ኣሎ ኢሎም ኣለው።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣብ ትሕቲ ወታደራዊ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:08 0:00

XS
SM
MD
LG