ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ጉዳይ ተቓውሞ መርመራ ክካየድ ከተፈቅድ ተሓቲታ


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት ዛይድ ራኣድ ኣል-ሑሴይን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ተቓውሞ ኣብዝተኻየደሎም ክልላት ኣትዮም ምርመራ ከካይዱ ክፈቅድ ፀዊዖም።

ነበርትን ተቓወምትን ሓይልታት ፀጥታ ን90 ሰልፈኛታት ቶኪሶም ቀቲሎም ንዝበሉዎ ንምምርማር ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ናብተን ክልላት ክኣትዋ እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ከምዝቐረበ ገሊፆም።

ኮሚሽነር ዛይድ ራኣድ ኣል-ሑሴይን ትማሊ ሓሙስ ኣብዝሃብዎ ፈላማይ ሪኢቶ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን መንግስቲ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ወሲዱ ዝብል ኽስታት ክምርመር ቤት ፅሕፈቶም ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረበሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ንፈለማ ግዜ ንሰለፈኛታት ምቕታል ካብ ዝጅመር ዝሓለፈ ጥሪ ‘’ፈፀምቱ ንምምርማርን ንክሕተቱን ዘእምን ፈተነ ኣይርኣናን’’ ኢሎም ዛይድ ራኣድ ኣል-ሑሴይን።

ብዛዕባ እዚ ካብ ጄኔቭ መብርሂ ዝሃባ ወሃቢት ቃል እቲ ቤት ፅሕፈት ራቪና ሻምዳሳኒ።

"ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ማዕልታት ብሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሰለፈኛታት ዝተፈፀሙ መቐትልቲ፣ጃምላዊ ማሰርትን ካልኦት በደላትን ብዘተሓሳስብ ደረጃ ካብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ሓበሬታ በፂሑና’ሎ" ኢለን።

ይኹን እምበር ንሰን ነቲ ሓበሬታ ነፃ መረጋገፂ የለን።ነዚ እውን እዩ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ናብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ክኣትው ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቕድ ዝፅውዕ ዘሎ ክብላ ብተወሳኺ ሓቢረን።።

ናብ ቤት ፅሕፈተን ዝቐረበ ፎቶግራፋትን ካልኦት ሓበሬታታትን ዘይተረጋገፁ ስለዝኾኑ ክስታት እዮም ዝበላ ራቪና ዝውሕዝ ዘሎ ነንባዕሉ ዝገራጨው ሓበሬታት ተወሳኺ ምርማራ ዘድልዩ እዩ ኢለን።ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃም ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልቲአን ክልላት ጥይት ክሳብ ምጥቃም ከምዝበፅሕ ሓቢረን።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ብምግላፅ ብዛዕባ ምሃብ ፍቓድ ወግዓዊ መልሲ ኣይረኸብናን ኢለን።

እቲ ዝበፅሐ መቕተልትን ማእሰርትን ብዝምልከት ከከም ምንጭታቱ ስለዝፈላለ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ነፃ ዝኾነ ዓለምለኸ ተዓዛቢ ዘድለየሉ ምኽንያት እዩ ኢለን።

ብኻሊእ ወገን ህይውማን ራይትስ ዎች ዘቕረቦም ሕቶታት ሕቶታት ብደአርጃ ዓለም መንግስታት ናይ ምዝራብ ነፃነት ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝፍፀሙ ዓፈናታት እናሓየለ ምኻዱን ናይ ስደተኛታት ኣተሓሕዛን ክትትልን ፖሊስታ ዝፍፅምዎም በደላት ተሓታትነት ንክህልን ዝምልከቱ እዮም።

ዝቕፅል ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ብዓለምለኸ ደረጃን ሰፋሕቲ ትሕዝቶታት ዘለዎም ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ክፈትሕ ከምዘለዎ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ሕቲ ካብ ዝተዘርዘራ ሃገራት ሱሪያ፣ቻይናንን ኢትዮጵያን ይርከብኦ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን፣ ብሰንኪ ዝተኸሰተ ዕግርግርን ዝሳዓበ ቅትለትን ተቃወምቲን ኣባላት ኣኽበርቲ ጸጥታን፣ ኣዝዩ ዘሻቅል’ዩ ክብል ኣውሮጳዊ ሕብረት መግለጺ ኣውጺኡ።

በቲ ዕግርግር ሓዘን ንዘጋጠሞም ጽንዓት ይሃብኩም’ውን ይብል እቲ መግለጺ።

ኩሎም ወገናት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ንክቁጠቡ ዘተሓሳሰበ እቲ ሕብረት፣ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ ውጽኢቱ፣ ዕንቅፋት ሰላማዊ ፍታሕ’ዩ ይብል።

ፌደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኩሎም ወገናት ቅሬተኦም ዘቅርብሉ ኣገባብ ኣነጺሩ’ዩ፣ እቲ ዳሕረዋይ ግጭት፣ ብህጹጽ፣ ብሃናጺ ጽምዶን ልዝብን ክፍታሕ’ውን ጸዊዑ።

ኢትዮጵያ ጉዳይ ተቓውሞ መርመራ ክካየድ ከተፈቅድ ተሓቲታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00

XS
SM
MD
LG