ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ “ መጻኢ ኣይፍለጥን” -ተንተንቲ


ዝሓለፈ ቐዳመ ሰንበት ኣብ ክልታት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ 10`ታት ሞይቶም ኣማኢት ቆሲሎም ኣለዉ፡ ብጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድማ ከባቢ 100 ሞይቶም። ተቓአውምቲ ሰልፍታትን ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላትን፡ እቶም ተሰለፍቲ ሰለማውያን ከምዝነበሩ እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታ ተኹሲ ከምዝኸፈትሎም ይገልጹ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ገለ ካብ`ቶም ሰልፈኛታት፡ ተተኮስቲ ከይተረፈ ዝርከቦ ኣጽዋራት ዝሓዙ`ዮም ኔሮም ይብል።

ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መጽናዕቲ ዘካይድ ፍስሃ ተኽለ፡ እቲ ሰልፍታት ኦሮሚያን ክሊ ኣምሓራን ጎኒ ንጎኒ ዝተኻየደ`ኳ እንተኾነ፡ ሓደ ዓይነት ምረት ኣይኮነን ዘለዎም ይብል፡

“ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ መበገሲ`ቲ ተቓውሞ ንኣዲስ ኣበባ ንምስፋሕ ዝተገብረ ማስተር ፕላን`ዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ እቲ መበገሲ ማእሰቲ 5ተ ኣባላት ኮሚቴ መንነትን ርእሰ-ውሳነን ወልቃይት`ዩ። ነቲ ተቓውሞን ሰልፍን ቀልጢፉ ዝወልዕ እዚ`ዩ”

ፍረድ ንያበራ፡ ኣብ ኣሪጋቶ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ጸረ-ድኽነት ቖልዑት ዝሰርሕ`ዩ። ነቲ ናይ ኣምሓራን ኦሮሞን ተቓውሞታት ሓደ ዝገብሮ ምኽንያት፡ መረረቶም ናብ መንግስቲ ክገልጹ ዘይምኽኣሎም`ዩ ይብል።

“ንዓይ ከምዝርድኣኒ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሲቪላዊ ማሕበረሰብን ንውድባትን ዝኸውን ዕድላት ከምኡ`ውን መማራጺ ርእይቶታት እናተሸምረረ ይኸይድ ስለዘሎ`ዩ። ሰባት ዝተፈለየ መረረት ክህልዎም ይኽእል`ዩ፡ ግን ዝገልጽሉ ዕድል የብሎምን”

ኣብ ለንዶን ኣብ ዝርከብ ትካል ትምህርቲ ኤኮኖሚክስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ ኣዎል ኣሎ ብወገኑ፡ ብታሪኾም ነንሕድሕዶም ዝጠማመቱ ዝነበሩ ወገናት ናብ ሓደ ይመጹ ኣለዉ ይብል።

“ ኣብ`ዚ ሓደ ዓመት ንርእዮ ዘለና ጉዳይ፡ ብኽልተ ወገን ዝነበሩ ህዝብታት ናብ ሓደ ይመጹ ከምዘለዉ`ዩ። ነቲ ተቐራሪቦም ካብ ምስራሕ ክፈላልዮም ዝጸንሐ ነገራት ኣብ ምውጋዱ ይሰርሑ`ለዉ። ስለዚ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣገዳሲ ዝኾነ ናይ ሓድነት መግለጽታት ይስማዕ ኣሎ “

መጻኢ እንታይ ከምዝወልድ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን ዝብል ኣቶ ፍስሃ ተኽለ ድማ ኣብ ተግባራት መንግስቲ ከምዝምርኮስ ይገልጽ። ኣተሓሒዙ፡ መንግስቲ ነቶም ሰልፈኛታት ሓሳቦም ክገልጹ ዘፍቅደሎም እንተኾይኑ፡ እቲ ኩነታት ክመሓየሽ`ዩ። መንግስቲ መጠኑ ዝሓለፈ ናይ ሓይሊ ምውሳድ እንተቐጺሉ ግን፡ እቲ ኩነታት ክቕጽል`ዩ ምናልባት`ውን ክገድድ ይኽእል ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር- ሃገር ዝህውኹ ዝበሎም ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ምጥንቃቑ ቐጺሉ`ሎ።

ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምሕዝነት ኦሮሞን ኣምሓራን የደልድሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:08 0:00

XS
SM
MD
LG