ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ሰልፊ ተቓውሞ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም


ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ብዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ልዕሊ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣፍሊጡ።

ምክትል ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ: እዞም ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝተቐትሉ 15 ሰባት ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ምዃኖምን ብስምን ከተማን ናይቶም ዝሞቱ ብምግላጽ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ሂቦም።

ትካላት መንግስቲ ነቲ ሰልፊ ዕላዊ ኣፍልጦ ብዘይምሃብን ንሕቶታቶም ከምዝዕፍኑ ዝገለጹ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ: " ቀዳማይ ሚኒስተር: ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያን ኣማኸርቶምን ብዝፈሰሰ ደምን ዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊ ዝኾነ ከተሓሳስቦም ምተገብአ" ድማ ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ባህርዳር ብዝተኻየደ ተመሳሳሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ምክትል ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ነገሰ ተፈረደኝ ኣፍሊጦም።

ንሶም ሰማያዊ ፓርቲ ዝወደቦ ሰልፊ ፍቓድ ብዘይምርካቡ'ኳ እንተተረፈ: ህዝቢ ግን ባዕሉ ሰልፊ ምውጽኡ ሓቢሮም። ቁጽሪቶም ኣብቲ ሰልፊ ዝወጹ ሰባት ካብቲ ኣብ ጎንደር ዝወጸ ከይበዝሐ ከምዘይተርፍ ኣቶ ነገሰ ተፈረደኝ ብተወሳኺ ገሊጾም።

ዳይረክተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ናይቲ ክልል ኣቶ ንጉስ ጥላሁን ኣብ ባህር ዳር ሸውዓተ ሰባት ምቕታሎ ዘረጋገጹ ክኾኑ እንከለው፤ ካብቶም ሰልፊ ዝወጹ ተፈንጀርቲ ቦምባ ኢድ ዝሓዙ ምንባሮም ጠቒሶም። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ንጉስ ጥላሁን እቶም ዕጡቓት ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ኣኽበርቲ ጸጥታን ትካላት መንግስትን መጥቃዕቲ ምፍጻሞምን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ድማ " ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ወሲዶም " ኢሎም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ ሓምሳ ሰባት ምቚሳሎም ብተወሳኺ ተሓቢሩ።
የመላ ኢትዮጵያ ኣንድነት ድርጅት ዝተባህለ ፖለቲካዊ ሰልፊ መንግስቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ ከቋርጽ ብምትሕስሳብ ነቲ ኣብ ባህርዳር ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዝኾነኖ ገሊጹ።

ኣቶ ሙልጌታ ኣበበ ዝተባህለ ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ሰልፊ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ነታ ሃገር ንባዕላ ናብ ካልእ ኣንፈት ክመርሓ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀዳም 06 ነሓሰ 2016
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:59 0:00

XS
SM
MD
LG