ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝተሓሓዝ ዝተኣሰሩ ተቓወምቲ ብሕማቕ ንተሓዝ ኣለና ይብሉ፡ ኢምባሲ ኣመሪካ ንዜጋታቱ ብኹነታት ጸጥታ የጠንቅቕ


Ethiopia-Protest-File
Ethiopia-Protest-File

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ንምክያድ እንተዳለዉ ኸለዉ፡ ብፖሊስ ካብ ዝተኣስሩ ኣባላት ተቓወምቲ፡ 52 ኣድማ ምሕሳም መግቢ ጌሮም ይብል ጥምረት 9ተ ፓርትታት።

ሰማያዊ ፓርቲ ንበይኑ፡ ልዕሊ 84 ሰባት ተኣሲሮምኒ ኣለዉ ኢሉ`ሎ። ኣባላት ኣመራርሓና " ብጽቡቕ ኣይተሓዙን፡ ቤተሰብ ኣይበጽሖምን፡ ምስ ጥበቓ ኣይራኸቡን" ኢሉ ሓልፊ ርክብ`ቲ ፓርቲ ኣቶ ዮናታን ተስፋየ።

ብኻልእ ዜና፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ፡ ምስ ምርጫ ብዝተሓሓዝ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ከይተሓስበ ናብ ህውከት ከምርሕ ስለዝኽእል፡ ዜጋታቱ ፍሉይ ጥንቃቐ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

ብዛዕባ ክልቲኡ ጸብጻባት ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:19 0:00


XS
SM
MD
LG