ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ለንደን ብሪጣንያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምስ ጭቡጥ ኩነታት ሃገሮም ዘይጠዓዓም ዝበልዎ ተግባር ይቃወሙ


ኣብ ለንደን ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ፡ ንኻልኣይ ግዜ ንዝተዳለወ ዓመታዊ ስነ-ስርዓት ብምድጋፍ፡ ኣብ ቐጽሪ ፓርላማ ንኽካየድ ዝገበሩ ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ Laurence Robertson`እዮም። ነቲ ብኢምባሲ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ዝቃወሙ ኢትዮጵያውያን ግና “ሚልዮናት ሰባት ንጥምየትን ዕርቃንን ኣብ ዝተቓልዑላን ብዙሓት ሚልዮናት ሰብኣዊ መሰሎም ዝተገፈፉላን ኢትዮጵያ፡ ዘይምስላ ንምሃብ ዝተዳለወ ዩ” ክብሉ ይቃወምዎ።

ነቲ ሰልፊ ወኪሎም ዝተዛረቡ ኣቶ ዘላለም ተሰማ ኣተሓሒዞም “ኣብ ትሕቲ ዓፈና ተሸቑሪሩ ዝነብር ህዝቢ ዘለዋ ብምዃኑ፡ ሰብኣዊ መሰል ዘይብሉ፡ በሊዑ ምሕዳር ዝተሳእኖ፡ ዝተፈለየ ናይ ፖሊቲካ ኣረኣእያ ስለዝሓዝካ ጥራሕ ናይ ስራሕ ዕድል ዘይረኽበላ፡ ዜጋታት ኸም ኻልኣይ ዜጋ ዝርኣዩላ ሃገር ብምዃና” እቲ ዝቐረበ ምስሊ ግጉይ ኢዩ ይብሉ።

ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘዳለወ ፡ ዓለም-ለኻዊ ተጣባቒ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ዝተባህለ ማሕበር`ዩ።

XS
SM
MD
LG