ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከይዲ ምስማዕ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ፤ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ክትቅጽሎ’ያ


ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር
ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር

ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ሎሚ ንኹነታት ኢትዮጵያን መጻኢ ኣንፈትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ክፉት ናይ ቃለ-ምስክርነት ጻንሖት፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ “ኢትዮጵያ ተስፋ’ዶ ወይስ ተኽእሎታት ሓደጋ? -ፖሊስ ኣመሪካ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ መደብ፡ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ከምኡ’ውን ተሓጋጋዚ ኣመሓዳሪ ብዓለምለኸ ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ታይለር በኪልማን ቃለ-ምስክርነት ኣብ ዝሃቡሉ እዋን’ዩ እቲ ምዕባለ ተገሊጹ።

ኣመሪካ ነቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ምዕራፍ ተራኣ ንምጽዋት፡ እቲ ብዓለምለኸ ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕጽልን ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ተዓዝብነት ግዜ ግን ኣድላዪ እንተዀይኑ ክስሕቦ ምዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኣብ ጉዳይ ተሓታትነትን መሰጋገሪ ፍትሒ ኢትዮጵያን ተደጋጋሚ ሕቶታት ዝቐርበሎም ዝነበረ ኣምባሳድር ሃመርን በኪልማንን፡ ምስቲ ኵሉ ዘሎ ብድሆታት ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ ኣዕቲባ ከም እትርእዮን ንመስርሕ ግቡእ ፍትሒ ድማ ጸቒጣ ከም እትሰርሕን ገሊጹ። እቲ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ዘልዕሉዎ ቀጻሊ ጉዳይ ምዃኑ’ውን ጠቒሶም።

ኣቦ-መንበር እቲ ከይዲ ምስማዕን ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታትን ዝዀነ ጆን ጀምስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ “ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ እቲ ጎንጺ ምቕጻሉን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ንኣፍደገ ባሕሪ ኣመልኪቱ ዝበሎ ከም መሻርኽቲ ኣመሪካ ምርኣዩ ዝምድና ምስኡ ምቕጻልን ኣሰካፍ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።

መልሲ ዝሃበ ማይክ ሃመር ብግዲኡ፡ ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ንምዕራፍ ኣመሪካ ዝከኣላ ትሰርሕ ከም ዘላ ገሊጹ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኣካል ምርኻቡ ዝገለጸ ፍሉይ ልኡኽ፡ እቲ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ከም ዝተዛራረቡሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ‘ብሰለማዊ መንገዲ እምበር ብኻልእ ኣገባብ ኣፍደገ ባሕሪ ክንረክብ ኣይኰንናን፡’ ኢሉ ደጊሙ ኣረጋጊጹለይ’ዩ፡” ክብል መሊሱ።

ኣብቲ ከይዲ ምስማዕ ንኣብ ኣከራኻሪ ቦታታት ኣቐዲሙ ብምዕራብ ትግራይ ዝጽዋዕ ቦታታትን ዝምደብ ዘሎ መስርሕ ረፈረንዶም’ውን ተሓቲቱ ነይሩ። ኣባላት እቲ ኮሚተ ንማይክ ሃመር ኣብ ዘቕረቡሉ ሕቶ፡ ህዝቢ ካብ መንበሪታቶም ኣብ ዝረሓቑሉን ዘየለዉሉን ረፈረንዶም ምክያድ ግቡእ ኣይመስልን ኢሎም። ማይክ ሃመር ኣብ መልሱ፡ ናብቲ ቦታ ብኣካል ኬድካ ምዕዛብ ኣዝዩ ከም ዘጸግም፡ እንተዀነ፡ ኣብቲ ጉዳይ’ውን ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ኣመሪካ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ።

“ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ዘይምውጻኦምን ነቲ ዝፍጽሙዎ ዘለዉ ግፍዕታት ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጽላታት ማዕድንን ማዕቀብ ስለምንታይ ዘይግበር?፡” ዝብል ሕቶ’ውን ንፍሉይ ልኡኽ ሃመር ቀሪቡሉ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ገለ ኣዘዘቲ ሰራዊት ኤርትራ ማዕቀብ ከም ዘሎ ዝሓበረ ማይክ ሃመር፡ ከከም ኣድላይነቱን ምዕባለታቱን እቲ መስርሓት ክቕጽል ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።

ንናጻ ቀረጽ ውዕል ንኣጎዋን ኢትዮጵያ ናብቲ ውዕል ንምምላሳ መደብ እንተሎን ዝተሓተተ ፍሉይ ልኡኽ ሃመር፡ እቲ መስርሕ ገና ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎ ገሊጹ። እንተዀነ ማይክ ሃመር ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ’ውን ይቕጽል ምህላዉ’ውን ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG