ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ፡ መሰላት ዜጋታት ዝጠሓሰላ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ዝተዓፈነላ ከምኡ`ውን ናጻ ዳኝነት ዝጠፈኣላ ሃገር ኮይና`ላ ዝበለ መድረኽ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኦሮምያ ዝርኣይ በደል ኣዚዩ ዝኸፍአ`ዩ ይብል።
ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ዩኒቨርሲታትን ይእሰሩ`ለዉ ዝበለ መድረኽ፡ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ክግንዘብ ኣይከኣለን ኢሎም።
ብዛዕባ`ዚ ክሲ ካብ መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡