ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ኣንዷለም ኣራጌን ሓዊሱ ልዕሊ 700 እሱራት ብምሕረት ክፍትሑ'ዮም


እሱራት ክፍትሑ'ዮም
እሱራት ክፍትሑ'ዮም

ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ኣባል ኣንድነት ፓርቲ ኣንዱዓለም ኣራጌን ሓዊሱ 746 እሱራት ብምሕረትን መስርሕ ቤት ፍርዲ ተገቲኡ ንክፍትሑ ከምዝተወሰነ ሚድያታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጸን። ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ‘476 እሱራት ብምሕረት፣ 329 እሱራት ድማ ከይዲ ሙግት ተቛሪጹ ንክፍትሑ ተወሲኑ ኣሎ’ ኢሎም።

ካብ ሞንጎ ዝፍትሑ እቶም 417 ተፈሪድዎም ዝነበሩ፣ እቶም 329 ድማ ክሶም ተቛሪጹ ዝፍትሑ’ዮም። እቶም 278 ካብ ፌደራላዊ ኣብያተ ማእሰርቲ እቶም 33 ድማ ካብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን’ዮም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ‘ሓደ መዓልቲ’ውን ክእሰር ዘይነበሮ እስክንድር ነጋ ክፍታሕ’ዩ ምባሉ ዘሕጉስ’ዩ ክብል ከሎ፣ ኣብ ተሓላቂ ጋዜተኛታት ሲፒጄይ ትሰርሕ ኣንጌላ ኹንተል ‘ነቲ ዜና ካብ መንግስታዊ ሚድያ ከምዝሰምዐትን ሓቂ’ዩ ኢላ ከምትኣምንን፣ ልዑል ታሕጓስ ከምዘስዐበላን’ ሓቢራ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:09 0:00

XS
SM
MD
LG