ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ 'ናይ መወዳእታ' ወታደራዊ ወፍሪ ምጅማሩ ኣፍሊጡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ክብሎ ከሎ’ ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ‘ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ወራር’ ኢሉ ዝፀውዖ ወታደራዊ ወፍሪ፣ ፍጻመ ክረክብ ይቀራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ወፍሪ መዛዘሚት ዝተባሃለት ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ነበርታ ጉድኣት ከይወርድ ዝክኣል ጥንቃቐ ከምዝገብር'ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፆም ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ዝበሉዎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ወሲኾም እዚ ናይ መወዳእታ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ሓደ ወገን ዘለው ኣባላት ኢዶም ክህቡ ዝተውሃበ ናይ 72 ስዓታት ናይ ግዜ ገደብ ተጠቒሞም ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ናይ ክልል ትግራይ ፍሉይ ሓይሊን ኣባላት ሚሊሺያን ኢዶም ሂቦም ኣለው ኢሎም ።ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ ‘’እከይ’’ ተግባር ህወሓት ተረዲኦም ኢዶም ካብ ጥፍኣት ስሒቦም ኣለው ኢሎም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍሉይ ሓይልታትን ኣባላት ሚሊሻንን ኢዶም ሂቦም ዝብል ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ መግለፂ ግን ብነፃ ወገን ኣይተረጋገፀን።

ቀ/ሚ መሪሕነት ህወሓት ዝተውሃቦ ዕድል ስለዘይተጠቐመ ሰራዊት ምክልኻል ናይ መወዳእታንሳልሳይን ምዕራፍ ናይቲ ወፍሪ ክፍፅም ትእዛዝ ተዋሂቡዎ ኣሎ ኢሎም።

ንፁሃን ነበርትን ከተማ መቐለን ዝኸፍአ ጉድኣት ከይወርዶም ዝክኣል ጥንቃቐ ከምዝግበር ብምግላፅ እቲ ህዝቢ ገበነኛ ኢሎም ካብ ዝፀውዕዎ ጉጅለ ንርእሱ ብምርሓቕ ምስ ናይ መንግስቲ ፃዕሪ ክተሓባበር ፀዊዖም ኣለው።

ብዛዕባ እዚ ናይ መወዳእታ ወታደራዊ ወፍሪ ካብ መራሕቲ ህወሓት ዝተውሃበ መግለፂ የለን።ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ናይ ክልል ትግራይ መራሒ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ እዚ 72 ስዓታት መጠንቀቕታ ንመራኸቢ ማዕኸናት ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ይወሃብ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ 72 ስዓታት መጠንቀቕታ ዝተናውሐ ብፅንዓት ስለዝመከትናዮ እዩ ኢሎም። ድልየቶምኣብ ዝተቐመጡ ስዓታትክውዳእ ከምዘይኽእል ዝገበርናዮ ፅኑዕ መኸተና እዩ ኢሎም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ‘'ናትና ድልየት ናይ ግዜ ምሕፃርን ምንዋሕን ዘይኮነስ ምሉእ ዓወት እዩ፤መሊእና ክሳብ ንዕወት ክንቃለስ ይግባእ፤ ናይ ውግእ ዓቕምና ካብ ዕለት ናብ ዕለት መልክዕ እናሓዘ ይመፅእ ኣሎ’’ኢሎም ነይሮም ።

ብኻልእ ዜና ድማ ፌደራል መንግስቲ ኣብዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣመልኪቱ። ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ከምዝውሃብ ዝሓበረ እዚ መግለፂ ፌደራል መንግስቲ ነዚ ንምፍፃም ድልዊ እዩ ኢሉ።ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ዝተጣየሸ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ዳህሳስ መፅናዕቲ ከምዘካየደን ብኣተሓባባራይነት ብሚኒስትሪ ሰላም ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ኣድላይ ሓገዝ እናተውሃበ ከምዝኾነን ኣፍሊጡ ኣሎ።ናይ ምግቢ፣መድሓኒት፣ፅሩይ ማይን ካልኦት መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛትን ምሃብ ከምዝጀመረ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኤጀንሲታት ሓዊሱ ድሕነት ሰባት ንምሕላው ድልየት ምስ ዘለዎም ትካላት ንምስራሕ ዘለዎ ድልየት ገሊፁ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG