ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

16 ሓደስቲ ኣባላት ካቢነን ሓዳስ ኣፈ-ጉባኤን ኢትዮጵያ ሹመቶም ብፓርላማ ተቐባልነት ረኺቡ


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዘቕረብዎም ሕጹያት ኣባላት ካቢነ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቦም። ድምጺ ተቓውሞ ዘስምዕ ሕቶታት ቀሪቡሎም። ከም’ዚ በሉ ዶ/ር ኣብዪ ‘እዞም ኣባላት ካቢነ ኣብ ጽባሕ ሹመቶም ምስ መሳርሕቶም ተራኺቦም ጽዑቕ ምይይጥ ኣካይዶም፣ ነቲ ህዝቢ ዘማርረሉ ጸገማት መታን ክፈትሑ ኣብ ቅድሚ’ዚ ቤት ምኽሪ ንከቕርብ ኣፍቅዱለይ!’ በሉ።

ድሕሪ’ቲ ስነ ስርዓት ሹመት ሪኢቶ ዝሃቡ ዶ/ር በዛብህ ደምሴ (ፕረዚደንት ውድብ መላ ኢትዮጵያ ሓድነት) ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ‘ብወገነይ ሓዱሽ ካቢነ’ዩ ኢለ ክኣምን ኣይክእልን’ ይብሉ። ከምኡ ኢሎም ዝደምደምሉ ምኽንያት ይገልጹ፣

ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ብወገኑ ‘እቲ ምዕባለ ንሕቶ ህዝቢ ዝመለሰ ኣይኮነን’ በለ። ‘ካብ ልሙድ ኣሰራርሓ ኢህወዴግ ዝተፈለየ ነገር’ዩ ነይሩ ሕቶ ህዝቢ’ ይብል ንሱ።

ኣቶ ግርማ ሰይፉ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ምስ ዝኾነ ፓርቲ ዘይወገነ’ዩ። ‘እገለ’ባ እገለ’ባ ኢልካ ብዛዕባ ኢህወዴግ ምዝራብ ዝካኣል ኣይመስለንን። ንፕሮግራመይ ከፍጽመለይ’ዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ሰብ’ዩ ዝመዝዝ። ንኣብነት እታ ኣነ ዝፈልጣ ሎሚ ኣፈ-ጉባኤ ኮይና ዘላ፣ ጽቡቕ ኣተሓሳስባ ዘለዋ ሰብ’ያ። ንፍዕቲ ኣፈ-ጉባኤ ክትኮን’ያ ኢለ’የ ዝኣምን’ ኣብ ጉዳያት ኮሚኒከሽን ዝተመደቡ’ውን ንፉዕ’ዮም’ በለ።

ኣብ’ቲ ፓርላማ ሓጋዚ ወካሊ መንግስቲ ኣቶ ኣማኑኤል ኣብራሃ ‘መብዛሕተኦም ኣባላት ካቢነ ሓደስቲ ኣይኮኑን ንዝብል ወቀሳ ኣይቕበሉን’።

‘ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ንሕጹያት ካቢነ ናብ’ቲ ፓርላማ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፣ ካብ’ቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ክልተ ቀዳሞት ሚኒስቲራት ዝተጠቐሙሉ ኣገባብ ንሓደ ነገር ቀይሮም ኣለው። ትውልዲ ቦታ ሕጹያት ካቢነ’ምበር ብሄሮም ኣይጠቐሱን’ ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:38 0:00

XS
SM
MD
LG