ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለፂ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ


ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም
ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም

ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕ መንግስቲ ድማ ሸኔ እናበለ ዝፅወዖን ህወሓትን ሓቢሮም ክሰርሑ ዕላዊ ምግባሮም ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊፁ ።

ቀዳሞት መስረቲ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ ነቲ ናይ ጥፍኣት ሕብረት ከምዝኹንንዎ ኣየጠራጥርን ክብላ ሓላፊት ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ተዛሪበን ።

ህዝቢ ኦሮሞ ንህወሓት ክድግፍ ምልዕዓል ቁስሊ እቲ ህዝቢ ምርሳዕ ማለት'ዩ ዝበሉ ድማ ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ እዮም።

ሎማዕንቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ዝተውሃበ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ንምውሳድ ኣንፈት ምቕማጡ ካብ ዘፍልጥ ፈላማይ እዩ።ነቲ መግፂ ዝሃባ ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ብለኔ ስዩም እቲ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ተላዒሉ እንተኾይኑ ተሓቲተን ‘’ናይቲ መግለፂ ትርጉም ኣሸባሪ ህወሓት ነታ ሃገር ናብ ዝገደደ ዘይምርግጋእ ቅድሚ ምእታው መንግስቲን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓባር ኣገደስቲ ዝኾኑ መንገድታት ክጥቀም እዮም ማለት እዩ’’ኢለን።

ሰራዊት ምክልኻል ፍሉይ ሓይልታት ክልልን ሚሊሽያታትን ነዚ ንኢትዮጵያ ንምፍርራስ ዝተልዓለ ናይ ክሕደት ሓይልን ናይ ወፃኢ ስውር ኢድ ንምድምሳስ ሓያልን ዘየዳግምን ቅልፅምኩም ክተዕርፉ ኣንፈት ተቐሚጥልኩም ኣሎ ይብል ኣብዚ ቅኒያት ዝወፀ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ንባዕሉ ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ መንግስትን ፓርላማ ኢትዮጵያን ግን ‘’ሸኔ’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ሓይሊ ምስ ህወሓት ወታደራዊ ስምምዕ ምግባሩ ዕላዊ ዝኾነ ትማሊ እዩ።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተታ ብለኔ ስዩም ናይ ክልቲኦም ሓቢሮም ምስራሕ ሓዱሽ ኣይኮነን ኢለን።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንርእሱ ናይ ኦሮሞ ነፃነት ሰራዊት ኢሉ ዝፅውዕ መንግስቲ ግን ‘’ሸኔ’’ ኢሉ ዝፅውዖን ህወሓትን ኣሸበርቲ ኢሉ ካብ ዝምድቦም ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለው።እቶም ውድባት ብወገኖም ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕጋውነት ከምዘይቕበሉ ብተደጋጋሚ ገሊፆም እዮም።

ኣሶሼቲድ ፕረስ ዝጠቐሶ ‘’ሸኔ’’ ብዝብል ሽም ብሽብር ናይ ዝተመደበ መራሒ ድሪባ ኩምሳ ሕዚ ዘሎ በይናዊ መማረፂ ነዚ መንግስቲ ብወታደራዊ ሓይሊ ምውጋድ እዩ ኢሎም።

መራሕቲ ህወሓት እውን መንግስቲ ንዘቕረብናዮም ቅድመ ኩነታት ዘይቕበል እንተኾይኑ ዘለዎ ኣማራፂ ‘’ምድምሳስ’’ እዩ ምባሎም ይፍለጥ።

ብለኔ ስዩም ናይ ክልቲኦም ውድባት ስምምዕ ብመናእሰይ ኦሮሞ ይኹን ብመስረቲ ኦነግ ተቐባልነት ኣይህልዎን ኢለን።

ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር መግለፂ ዝሃቡ ናይ ኦሮሚያ ክልል ፕረዝዳንት ሽመልስ ኣብዲሳ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዘውረዶ በደል እቲ ቁስሊ ኣይሓወየን ኢሎም።

‘’ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ’’ ዝበሉ ኣቶ ሽመልስ ንህዝቦም ክንድዚ ይንዕቑ እዮም ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን ኢሎም።

ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ቀዳማይ ምንስቴር መግለፂ ናይ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምንቅስቓስ ብዝምልከት እውን መረዳእታ ተዋሂቡ ኣሎ።ትማሊ 277 ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና መካይን ትግራይ ምብፀሐን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

መግለፂ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይሚኒስትር ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:54 0:00


XS
SM
MD
LG