ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ኦሮምያን ኣምሓራን ዝተላዕለ ህውክት ስራሕ ሓይልታት ጸረ ሰላም'ዩ ኢሎም


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘መንግስቲ ምስ ህዝቢ ተሓባቢሩ ንሓይልታት ፀረ ሰላም ዘየዳግም ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከምዝርከብ’ ገሊጾም። ኣብ ገለ ዞባታት ኦሮምያን ሰሜናዊ ጎንደርን ኣብ ዝተላዕሉ ግጭት፣ ኢድ ሓይልታት ጸረ ሰላም ከምዘለዎ’ውን እቶም ቀ/ሚ ሓቢሮም።

ማስተር ፕላን ኣዲሳበባን ጎረባብታ ዞባታት ኦሮምያን፣ ብደረጃ ረቂቅን ብልዝብ ህዝቢ ክማሓየሽ ዝኽእልን፣ ደገፍ ህዝቢ ዘይብሉ እንተኾይኑ ከይትግበር ይኽእል’ዩ ኢሎም ኣቶ ኃይለማርያም።

እቲ ጉዳይ ከም’ዚ ኮይኑ እናሃለወ እቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮምያን ሰሜን ጎንደርን ዝተወለዐ ህውከት ብሓይልታት ጸረ ሰላም’ዩ ኢሎም።

ንሕቶ ህዝቢ ቅማንት ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ንብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ክልል ኣምሓራ ንምግጫው ዝተወለዐ ህውከት’ውን ኢድ ሓይልታት ጸረ ሰላም ኣለዎ ኢሎም እቶም ቀ/ሚ።

‘ሓይልታት ጥፍኣት ብቅድሚትን ድሕሪትን እናመርሑ ብርክት ንዝበሉ ንብረት ህዝቢን መንግስቲን ከምዘባርዑ ንፈልጥ ኢና። ዕጡቃት’ውን ንኣባላት ፀጥታን ካልኦት ኣባላት ማሕበረ-ሰብን ቀቲሎምን ጎዲኦምን’ዮም። እዚ ነገር’ዚ ፈፂሙ፣ፈፂሙ ክቅፅል ኣይኽእልን። መንግስቲ ንሕጊን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ክሕሉን፣እዚ ሕቶ ህላውና ዝኾነ ከኽብርን ሓላፍነቱ ክዋፃእን ይግባእ። ክህውኽ ንዝደሊ ሓይሊ ምስ ህዝቢ ኮይንና ንሕጋዊ ስጉምቲ ብዘይምሕረት ንወስድ ምኻና በዚ ኣጋጣሚ መልእኽቲ ከሕልፍ ይደሊ’ በሉ እቶም ቀ/ሚ።

መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ንኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዒላማኦም ንዝገበሩ ሓይልታት ጸረ ሰላም ተሪር ስጉምቲ ከምዝውሰድ’ውን ቀ/ሚ ኃይለማርያም ጠቂሶም’ለው።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ምምሕዳር ኣዲሳበባ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ ‘ቤት ፅሕፈት ማስተር ፕላን ኣዲሳበባን ዞባታት ኦሮምያን፣ ካብ ዓሚ ጀሚሩ ስርሑ ከምዘቋረፀ’ ገሊፁ’ሎ። እቲ ውጥን ድጋፍ ህዝቢ ዘይረክብ እንተኾይኑ ኣይትግበርን ንዝብል መርገፂ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ደጊሙ’ሎ ምምሕዳር ኣዲሳበባ።

XS
SM
MD
LG