ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጠባ ኢትዮጵያ ብ8.5 ሚእታዊ ክዓቢ'ዩ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

‘ናይ ኢትዮጵያን ናይ IMFን ግምት ዘይቃዶ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ሎሚ ግና፣ ብዘግርም ኩነታት ተመሳሳሊን ዝቀራረብን ኮይኑ’ሎ ኢሎም ቀ/ሚ ኢትዮጵያ።

‘ዘፈራት ኢንዱስትሪን ኣግልግሎታትን ሎም-ዘበን ብ7 ሚእታዊ ዕብየት ከምዘርአየ IMF ከይተረፈ ኣብ ሪፖርቱ ነፂርዎ’ሎ። ብዙሕ ጊዜ ዘይንሰማማዕ ዝነበርና ሎም-ዘበን ግና ተሰማሚዕና ኣለና’ እውን ኢሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝቀረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝመለስሉ እዋን፣ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ፆረና ዝተካየደ ውግእ ዝወለዖ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ኢሎም እቶም ቀ/ሚ።

ኣብ’ዚ ቀረባ ዘዘራረብናዮም ኣምባሳደር ግርማ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ንኤርትራ ዝወረረ’ ከምዝበሉና ዝዝከር’ዩ።

ሎሚ ሰሉስ ንፓርላማ ሃገሮም ሪፖርት ዘቅረቡ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ 'ሎሚ’ውን እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምልዛብ ቅሩብን ፖሊሲ ምምሕዳሮም ኣይተለወጠን' ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:05 0:00

XS
SM
MD
LG