ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ዝወሰዶ ቁጽጽር ዋጋ ዝተፈላለየ ርኢቶ የስዕብ


ኣብዚ ወርሒ ኣብ ኩሉ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከቡ ሽቛትን መደብራት ዕዳጋን ምድንጋር ተጋፊሑ እዩ ቐኒዩ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ኣቑሑት ዝገበሮ ተመን/ቁፅፅር/ ዋጋ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ብዙሕ ህዝቢ ዋጋ ነኪዩሎም ኣሎ።ነጋዶ ግን ቑጥዕኦም እናገለፁን መሰረታዊ ዝኾኑ ኣቑሑት እውን ካብ ዕዳጋ እናተሰወሩን እዮም። ክኢላታት ስነቑጠባ፡ መንግስቲ ዘካየዶ ስትራተጂ ምስትኽኻል ዋጋ ኣብ ነዊሕ እዋን ብዛዕባ ዘሕድሮ ፅልዋ ስግኣቶም እናገለፁ እዮም።

መንግስቲ ኣብ ዱሮ በዓል ልደት ንነጋዶ ዘስደመመ ኣብ ስጋ ሩዝ ሽኮር ናይ ፃባ ሕሩጭን ናይ ብልዒ ዘይትን ሓዊሱ ናይ ዋጋ ተመን ኣዊጁ።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ እቲ ናይ ዋጋ ተመን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዓለም ተጎዛጚዞም ነጋዶ ንዝወሰኹዎ ዋጋ ንምቁፅፃር ዝዓለመ እዩ ይብሉ።ኣብ ዕዳጋ ዝርአ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት ጠጠው ከምዘብሉዎ እውን ቃል ኣትዮም ኣለው።

ሸማታይ ኣቶ ሸንቁጠ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ “ሰባት ብደመወዞም ፍትሓዊ ብዝኾነ ዝግብኦም ኣቑሑት ንምግዛእ ተስፋ ይገብሩ።ዋጋ ኣቑሑት ካብቲ ዝግብኦ ንላዕሊ ደይቡ ሰባት ብደመወዞም ክነብሩ ኣይከኣሉን ይብሉ።

እቲ ናይ ዋጋ ቁፅፅር ኣብ ናይ ከባቢ ዕዳጋ ዕግርግርን ወጥርን ፈጢሩ እዩ።ኣብ ገሊኡ ድማ ጭቕጭቕ። ሓሓሊፉ እውን ኣብ መንጎ ዝተቖጥዑ ዓደግትን ነጋዶን ክሳብ ምውቓዕ ተበፂሑ እዩ።

ነዚ ሪፖርት ዘዘራረብናዮም ኩሎም ነጋዶ ስለ ዝፈርሑ ሽሞም ክግለፀሎም ኣይደለዩን።ሓንቲ ሽማ ክግለፀላ ዘይደለየት ነጋዳይ ግን ስርሓ ጠጠው ንምባል ከምዝተዳለወት ትዛረብ።

ተወከልቲ ምንስትሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ነዚ ፀብፃብ ሪኢቱኦም ንኽህቡ ብተደጋጋሚ ተሓቲቶም መልሲ ኣይሃቡን።ሰበስልጣን መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ናይ ዋጋ ተመን እንትዛረቡ ነጋዶ ብምስምስ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዓለምን ምትሓት ዋጋ ሸርፊ ብርን ዋጋ ከምዝወሰኹ ክገልፁ ተሰሚዖም እዮም።

ቅድሚ ሕዚ ንቪኦኤ ብግልፂ ሪኢቱኦም ዝሃቡ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘይብሎም ኣርባዕተ ክኢላታት ስነቑጠባ እቲ ጉዳይ ተዃሳሒ እዩ ብምባል ሽሞም ክግለፀሎም ኣይደለዩን።ኩሎም ኣርባዕቲኦም ግን እቲ ናይ ዋጋ ምስትኽኻል ኣብ ኢትዮጵያ ሱር ዝሰደደ ሽግር ቁጠባ ኣብምፍታሕ ከምዘይሕግዝ ተንቢዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG