ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፃ ዕዳጋ ተባሂሉ መንግስቲ ጣልቃ ዘይአትወሉ ኢኮኖሚ የለን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ


ነፃ ዕዳጋ ተባሂሉ መንግስቲ ጣልቃ ዘይአትወሉ ኢኮኖሚ የለን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰኑ መሰረታዊ ኣቁሑት ተመን ዋጋ ምውሳኑ'ውን ንስርዓት ነፃ ዕዳጋ ኣይፃረርን’ዩ ክብሉ ኣቶ መለስ ዜናዊ ተዛሪም። ኣቶ መለስ እዚ ዝበሉ ሎሚ ንፓርላማ’ታ ሃገር ብዛዕባ’ቲ ዝተገብረ ተመን ዋጋ ብዝምልከት ኣብ ዝተዛረብሉ’ዩ።

ኣብ ሚኒስተር ንግዲ’ታ ሃገር በዓል-ስልጣን ኮሚኒከሽን ዝኾኑ አቶ ኣማከል ኢማም ብወገኖም መንግስቲ ኣብ ሕድሕድ ሸቀጥ እናአተወ ዋጋ ናይ ምትማን አንፈት የብሉን፣ ቀንዲ ዛዕባ መንግስቲ ብመሰረት መርህ ነፃ ዕዳጋ ካብኡ ዝርከቡ ረብሓታት ምድንፋዕ፣ ውድድራት ብምግፋሕ ፍትሓዊ ዕዳጋን ረብሓ ሸመቲ ምርግጋፅ’ዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ተመን ዋጋ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ በአወንታ ዝተቀበሎ ክኸውን ከሎ ነጋዶ ግን አይተሐጎስሉን። ብፍላይ መራሕቲ ተቃዋሚ ፓርቲ ነቲ ስጉምቲ ኮኒኖም፣ ንነፃ ዕዳጋ ዝዳፋእ’ዩ ክብሉ ገሊፆም’ዮም።

XS
SM
MD
LG