ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥቅዓት ኣንፃር ሚድያ - ጥቅዓት ኣንፃር ዓለም-ለኸ ሕጊ'ዩ ኢሎም ልኡኽ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ


ኣንፃር ሚድያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዓለም-ለኸ ሕጊ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ምኻኑ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ኣፍሊጦም።ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸበረ መዓልቲ ሚድያ፣ምስሕሓብ ተፈጢሩ።

እቲ ኣብ ሆቴል ሂልተን ኣዲስ ኣበባ ኣኼብኡ ከምዝሳለጥ ዝሕብር መደብ መዓልቲ ሚድያ፣ዝተፈላለዩ መደረታት ከምዝስማዕ ይሕብር።ሓደ ካብ እዞም መደረታት መልእኽቲ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ’ዩ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕ/ሃ ኣተሓባባሪ ብዝኾኑ ሚስተር ሳሙኤል ብዋልያ ዝቀረበ መልእኽቲ ባን ኪሙን፣ናይ‘ቲ ቅድሚ ስሳ ዓመታት ዝፀደቀ ውዕል ሚድያ ዘጉልህን ትሕዝቶ ዓንቀፅ 19 ዝሕብርን‘ዩ።ኣብ ልዕሊ ሚድያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ኣንፃር ዓለም-ለኸ ሕጊ ዝፍፀም ጥቅዓት ማለት‘ዩ ይብሉ።

ኮፊ ኣናን ”ኣብ ልዕሊ ናፅነት ሚድያ ዝፍፀም መጥቃዕቲ፣ማዕረ መጥቃዕቲ ኣንፃር ዓለም-ለኸ ሕጊ፣ሰብኣዊ መሰላትን ናፅነትን ማለት‘ዩ።ኣንፃር ኩሎም ሕ/ሃ ዝተመስረተሎም ማለት‘ዩ”ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ከም ዩኔስኮ ዝኣምሰሉ ካልኦት ዓለም-ለኸ ትካላት‘ውን መልእኽቲ ኣሕሊፎም‘ለው።

ሓላፊ ሕ/ሃ ዣን ፒንግ ብወካሊኦም ኣቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ድማ፣ ዕላማ ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝሕተሙ ውፅኢት ሚድያ እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሮም‘ዮም።

ነቲ ዘፈር ምቁፅፃር ከምዝግባእ ይርደአና‘ዩ።እንተኾነ እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ንናፅነት ሚድያ ዘተዓናቅፍ ክኸውን የብሉን‘ውን ኢሎም።

ኣብ ቤት ፅሕፈር ኮምንኬሽን ኢትዮዽያ ምንስትር ዴኤታ ኣቶ ሽመልስ ከማል ብወገኖም፣ሚድያ ኢትዮዽያ ኣብ ሞንጎ መንግስታዊን ውልቀን ምክፍፋሉ ዘምፀኦ ሳዕቤን ኣጉሊሆም።

ኣቶ ሽመልስ ወሲኾም ”ካብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንመንግስቲን ውልቀን ኣፋጢጦም ካብ ሞንጎ ዝነበሩን መለለዪ ኢትዮዽያ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ክልተ ጠንቅታት፣ሓደ ናይ ውልቀ-ሚድያ ብዝዓዘዘ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ‘ቲ ዝወደቀ ስርዓት ኣባላት ወይካኣ ኣረኣእይኡ ዝስዕቡ‘ዮም ነይሮም” ኢሎም።

ስዒቡ ክካየድ መደብ ዝተታሓዘሉ መድረኽ ክትዕ‘ኳ እንተነበረ፣ሃዋሁ ምቹእ ዘይምንባሩ ተዓዚበ‘ለኹ ይብል መለስካቸው ኣምሃ።መራኸቢ ብዙሃን ብመንፅር ረብሓ ህዝቢ ዝብል ኣኼባ‘ውን ብዙሕ ከይተዘርበሉ ተዛዚሙ‘ሎ።

ዝባኣሰ ኩነታት ዝተፈጥረ ግና ኣብ ሞንጎ ኣዳለውቲን ተሳተፍቲን ከምኡውን ኣብ ኣመራርሓ‘ቲ ኣኼባ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ‘ዩ።ቀዲሙ ንመድረኽ ዝሓዘ ወገን ነቲ ቀፃሊ መዳሪ ከርክብ ኣይፈቀደን።ኣብ‘ቲ መድረኽ ክቀርቡ መደብ ዝተታሓዘሎም ዋና ኣዳላዊ ሪፖርተር ኣቶ ኣማረ ኣረጋዊ ንተኣከብቲ ይቅሬታ ሓቲቶም ነቲ ኣኼባ ገዲፎም ወፂኦም‘ዮም።

ኣቶ ዳዊት ከበደ ኤዲተር ኣውራምባ ታይምስ ዘይተፀበናዮ ነገር‘ዩ ኣጓኒፉና፣መዓልቲ ሚድያ ዓለም ክነኽብር ዝመፃና ሰባት፣ግዳይ ሴንሴርሽፕ ክይና ተመሊስና ከምዝበለ መለስካቸው ኣምሃ ዝላኣኾ ሪፖርት ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG