ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሕክምና ትምህርቲ ብፅርየትን በዝሕን ንምስፍሕፋሕ ቅሩብነት መንግስቲ ወሳኒ እዩ ተባሂሉ


ኣሜሪካ ኣብ ምስፍሕፋ ትምህርቲ ሕክምና ምስ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ክተሰርሕ እያ ኢሎም ሓደ ብዓል ስልጣን ኣሜሪካ

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ብፅርየትን ብበዝሕን ብዘተኣማምን መንገዲ ንምስፍሕፋሕ ናይቶም መንግስታት ቅሩብነት ወሳኒ ምዃኑ ተገሊፁ።መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ እውን ናይ ሕክምና ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ ምስተን ሃገራት ብጥምረት ንምስራሕ ምውሳኑ ሓደ ብዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ግሎባል ኤዲስ ኣተሓባባሪ ኣምባሳደር ኤሪክ ጉስፒ ከምዝበልዎ ናይቲ ጥምረ ፕሮግራም ዝሕገዝ ፔፕፋር ብዝተብሃለ ብናይ ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ፕሮግራም እዩ።ቀንዲ ዕላማ እቲ ምትሕብባር’ውን ኣብዘን ሃገራት ዘሎ ናይ ሕክምና ክእለትን ትካላትን ብምስፍሕፋሕ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ልዕል ንምባል ከምዝኾነ’ውን ሓቢሮም።

መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ነዞም ትካላትን ፅርየትን ንምስፍሕፋሕ ኣብዝግበር ፃዕሪ ምስተን ሃገራት ብምትሕብባር መዋእለ ነዋይ ንምፍሳስ ቖሪፁ’ሎ ዝበሉ እቶም ኣተሓባባሪ ብምስዓብ ክመዚ ኢሎም።‘’ምስ ናይ ውልቅን ምስ ህዝባዊ ትካላትን ብምትሕብባር ንምስራሕ እውን ንደሊ ኢና።’’

ናይ ፅርየትን በዝሕን ደረጃ ኣገልግሎት ሕክምና ብዘተኣማምን ደረጃ ክቕፅል ንምግባር ቅድሚ ኩሉ ብዙሓት ሓኻይም ክምረቑ ምግባርን ናይ ድልየትን ቀረብን ሚዛን ምትዕራቕን እዩ ይብሉ ዶ/ር ቴድሮስ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2005 ኣ/ፈ ካብ 340 ዘይበዝሑ ዝነበሩ ቁፅሪ ተመረቕቲ ሓኻይም ሎሚ ናብ 3,100 ሓኻይም ንምምራቕ በፂሒና ኣለና ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣስዒቦም።

ዝለዓለ ደመወዝ ኣብ ምኽፋል ምስ ዝማዕበላ ሃገራት ንምውድዳር ኣዪክኣልን ዝበሉ እቶም ምንስቴር ኢትዮጵያ ተግሮ ዘላ ናይ ባዕላ ፍታሕ ከምዚ ይብሉ።’’ኣብቶም ሆስፒታላት ሓኻይም ናይውልቆም ዝሰርሕሎም ኽፍልታት ኸፊትና ኣለና።ሰብሙያ ሕክምና ኣብ ትርፊ ግዚኦም ኣብዞም ኽፍልታት ብምስራሕ ተወሳኺ ኣታዊ ምርካብ ክኢሎም ኣለው።’’

ብናይ ሜዲካል ፓርትነርሽፕ ኢኒሼቲቭ ፕሮግራማት ዝተሓቖፉ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ 13 እንትኾና ኢትዮጵያ ካብአን ሓንቲ እያ።ኣብ ኢትዮጵያ ናይዚ ፕሮግራም ተረባሕቲ ዝኾኑ ድማ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ፡ዩኒቨርስቲ ሃሮማያን ናይ ምክልኻል ሃገር ናይ ሕክምና ኮሌጃትን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG