ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሳህለወርቅ ፀገማት ኢትዮጵያ ብሰላም ክፍታሕ ጸዊዐን


ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ

"ንናይ ዓድዋ ዝመስል ዝኽሪ ናብ ዘይንረኸበሉ መገዲ ኣቲና ኣለና’’ ዝበላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ግጭት ሕድ-ሕድ ብልዝብ ክፍትሑ ደጊመን ጻውዒተን ኣቕሪበን።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም ንሓድነት ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ሳህለወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይን ነዚ ጻውዒት ዘቕረቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ሓውልቲ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ትማሊ ሰንበት 11 የካቲት 2024 ኣብ ዝተመረቐሉ ስነ-ስርዓት እዩ።

ቅድሚ 128 ዓመት ዝተፈፀመን ኣብነት ናጽነት ፀሊም ህዝብታትን ምዃኑ ዝግለጽ ዓወት ዓድዋ ንምዝካር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፀ ሓውልቲ ዝኽሪ ትማሊ ሰንበት ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዓ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ "ሎሚ ንታሪኽ ዓወት ዓድዋ ዝምጥን መዘከርታ ተሃኒፁ ኣሎ’’ ምስ በላ ኣስዒበን "እንተኾነ ግን ምዝካር ዓወት ዓድዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃገር ኣብ ምድሓን ንሕና እውን ዝዝከር ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ’’ኢለን። እታ ሃገር ካብ ዘለዋ ሽግር ክትወፅእ እቲ መፍትሒ ይፍለጥ እዩ ንሱ ድማ ልዝብ እዩ ክብላ ጻውዒተን ኣቕሪበን።

ዓድዋ ኣብነት ሓድነት እዩ ክብሉ መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ ካብ ውሽጥን ወፃእን ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ገጢሞምዋ ከምዘለው ብምጥቓስ ንሓድነት ፀዊዖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ግጭታት ብልዝብ ምፍታሕ ዘይተከኣለሉ ምክንያት "ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ሰዓራይን ተስዓራይን ዝተመስረተ ምዃኑ እዩ’’ ዝበሉ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይረክተር ማእኸል መፅናዕቲ ሰላምን ፀጥታን ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዶክተር ዮናስ ኣዳዬ እዮም።

እቲ መዘከርታ ዳግማዊ ምንሊክን ብዓልቲ ቤቶም እተጌ ጣይቱን ሓዊሱ ንዓወት ዂናት ዓድዋ ዝመርሑ መራሕቲ ሰራዊት ሓውልትታት ከምኡ እውን ካልኦት ብርክት ዘበሉ መዘከርታታት ዝርከቦ እዩ ይብል ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG