ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምስ ኣሜሪካን ቻይናን ስትራተጂካዊ ርክብ ኣለና' ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


አቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ
አቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ
ዝምድናና ኣብ ረብሓ ሃገር‘ምበር ኣብ ስነ-ሓሳብ ዝተመስረተ ኣይኮነን።ምስ ኣሜሪካን ቻይናን ስትራተጂካዊ ርክብ ፈጢርና ኣለና ኢሎም ቀ/ሚ ኢትዮጵያ።

ምስ ኣሜሪካ ዘለና ዝምድና ቁጠባዊ ኮይኑ ንጥዕና፣ትምህርትን ሰብኣዊ ሓገዛት ዝሓቆፈ‘ዩ። ንዝገብሩልና ሓገዝ ድማ ንህዝብን መንግስትን ኣሜሪካ ነመስግን።ብዘይካ‘ዚ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን ዞባናን ዓለምን ስትራተጂካዊ ርክብ ኣለና።ኣብ ጉጅለ 8ን 20ን ኩነታት ኣየርን‘ውን ንተሓባበር ኢና።ካብ ኣሜሪካን ኣውሮዻን‘ውን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ንረክብ ኢና።ስለዚ ስነ-ሓሳብ ዝፈጠሮ ዝምድና የብልናን" ኢሎም።

ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ ክዛረብ ከለው ድማ "ቻይና‘ውን ስትራተጂካዊት መሻርኽትና‘ያ።ኣብ ዘፈር መሓውራዊ ቅርፅን ኢንቨስትመንትን ሓጋዚትና‘ያ" ይብሉ።

ምስ አርትራ ዝፀንሐ ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ እንኮ ፍታሕ ልዝብ'ዩ።ናብኡ ንምብፃሕ ድማ ንዝሓለፉ 9 ዓመታት ተፀቢና ኢና።ሎሚ'ውን ንመንግስቲ ኤርትራ ንፅበዮ ኣለና ኢሎም።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:40 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG