ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ኢትዮዽያ፣ኣብ ባይቶ ሕ/መ መደረ ኣስሚዖም


አቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ
አቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ዝሓለፈ ዓርቢ ንሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/መ ብደረጃ መራሒ ፈላማይ መደረ ኣስሚዖም።እቶም ቀ/ሚ ቅብብል ስልጣን፣ መስርሕ ሰላም ክልቲኤን ሱዳን፣ሶማልያን ከባቢያዊ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ከምዘተኮሩ ተፈሊጡ‘ሎ።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ኣቀዲሞም ክዛረቡሉ ዝመረፅዎ ጉዳይ፣ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተፈፀመ ምትኽኻእ ስልጣን‘ዩ።

ንጉዳይ ሶማልያ ኣመልኪቶም ድማ፣ፕረዚደንት ብሰላማዊ ኣገባብ ምምራፁ፣ ሰላምን ምርግጋእን ምቅፃሉ ኣተባቢዑና‘ሎ፣ኢትዮዽያ ንህዝቢ ሶማልያ ትልግሶ ሓገዝ ክትቅፅለሉ‘ያ ኢሎም።

ህውከት ሶማልያ፣ኣብ ዞባ ኦጋዴን-ኢትዮዽያ ጠንቂ ህውከትን ዕጥቃዊ ግጭትን ኮይኑ‘ዩ ኢሎም ኣቶ ሃይለማርያም ኣብ መደረኦም።

ሰራዊት ኢትዮዽያ ደጋጊሙ ናብ ሶማልያ ምዝላቁ፣ጣልቃ ብምእታውን ንፀገም ሶማልያ ከምዘጋደዶን ተንተንቲ ይዛረቡ።ኢትዮዽያ ብወገና፣ኣብ ሶማልያ ጠንካራን ንፀጥታ‘ቲ ህዝቢን ዶብን ዝሕሉን መንግስቲ ክቀውም ድልየታ‘ዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንውዕል ሰላም ዝኸተማ ክልቲኤን ሱዳን፣ኣብ‘ቲ ዞባ ነባራይ ሰላም ንክመፅእ ኣበርክቶ ኣለዎ ዝብል ገምጋሎ ኣለዎም።

”ክልቲኦም ወገናት ዝርብሕሉ ውዕል ሰላም ምፍራሞም፣ካብ ክልቲኤን ሃገራት ሓሊፉ፣ንሃገራት‘ቲ ዞባ ከምዝረብሕ ርግፀኛታት ኢና” ኢሎም።

ኢትዮዽያ ኣብ ሞንጎ ስሉጥ ምዕባለ ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ትርከብ ዝበሉ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣እቲ ኣብ ኢትዮዽያ ይምዝገብ ዘሎ ምዕባለ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት‘ውን ዘራኽብ ምኻኑ ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG