ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ሪኢቶ ህዝቢ ብዛዕባ ሓድሽ መራሒ ኢትዮዽያ


Hailemariam D.
Hailemariam D.
ሓደ ዓመት ሕልፈት ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተቃረበሉ እዋን ሪኢቶ ዝሃቡ ኢትዮዽያውያን፣ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ስልጣን ዘሕለፉዎ ሓደ ዓመት፣ስልጣን ቀ/ሚ ዝተሸርሸረሉን ኣብ ዕዮ ሹመትን ምውራድን ዝተፀመዱላ ዓመት ከምዝነበረት ክጠቅሱ ከለው፣ካልኦት ድማ፣ ኣቶ ሃይለማርያም፣እታ ሃገር ንዝጀመረቶም መደባት ልምዓት ይፍፅሙ ዘለው መራሒ ምኳኖም ዘረጋገፁላ ዓመት‘ያ ኢሎም።

ብዙሓት ብባህርኦም ዝንእድዎም ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ከምመጠን መራሒ ሃገር ግና ይፍተኑ‘ዮም ዘለው።ኣብ ሓደ እዋን ምክትል፣ተጠባባቂን ዳሓር ባዓል ሙሉእ ስልጣን ቀ/ሚ ኮይኖም ዝተሾሙ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ሓደ ዓመት ክኾኖ ዝተረፎ ጊዜ ቁሩብ‘ዩ።ሓደ ዓመት ከመይ ሓለፈት? ቪኦኤ ዘዘራረቦም ኢትዮዽያውያን ዝሃብዎ ሪኢቶ‘ሎ፥

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቶ መለስ ስልጣን ዝተረከቡ ኣቶ ሃይለማርያም፣ነታ ሃገር ብብቅዓት ይመርሑዋ‘ለው ዝብሉ ወገናት ኣለው።ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዘስዓቦ ውጥረት ከይደረቶም ሓላፍነቶም ይፍፅሙ‘ለው ካብ ሞንጎ ዝብሉ ሓንቲ ወ/ሮ ”ኣባይ‘ውን ይህነፅ ኣሎ።ንሪኢ‘ለና።ኩነታት ኣብ መስርሕ‘ዮም ዝርከቡ።ራኢ ቀ/ሚ መለስ ይቅፅል‘ሎ።ምስ ጊዜ ድማ ገና ክንሪኢ ኢና” ይብላ።

ካልእ ወሃባይ ሪኢቶ ”ብቅዓት ምምሕዳር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንምግምጋም ሓደ ዓመት ኣኻላይ ኣይኮነን ዝብሉ‘ውን ኣለው” በለ።

ኣብ‘ዚ ይሓልፍ ዘሎ ዓመት፣ኣብ ትሕቲ መሪሕነቶም፣ተርእዮ ፅቡቅ ምሕደራ ተዓዚበ‘ለኹ።ግን፣ሓደ ዓመት ጥራሕ ስለዝኾነ፣ንምግምጋም እኹል‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን።ሹመትን ስዕረትን ከምኡውን ብብልሽውና ዝተኣሰሩ ሰባት ሪኢና ኢና።ሓደ ዓመት ሓፂር‘ዩ፣ግን ዝራኣናዮ ፅቡቅ ይመስለኒ ባሃላይ‘ዩ ንሱ።

ባዓል-ሞያ ሕጊ‘የ ዝብል ሚኪያስ ከበደ ዝባሃል ብወገኑ፣ድሕሪ ምግምማዕ መሪሕነት ህወሓት፣ሓባራዊ መሪሕነት ተሳዒሩ፣ልዕልና ኣቶ መለስ ዜናዊ ከምዝሓየለን፣ድሕሪ ዕረፍቶም ግና፣ሓባራዊ መሪሕነት ከምዝተመለሰ ይሕብር።
ከምኡ ኮይኑ‘ውን ናይ ሎሚ ቀ/ሚ ኣቶ መለስ ቅድሚ ምግምማዕ ዝነበሮም ስልጣን ሒዞም‘ዶ ዝብል ሕቶ የልዕል ኣዮ ሚክያስ።ኣስዒቡ፣

ኣቶ ምክያስ ወሲኹ “ድሕሪ ዕረፍቲ ቀ/ሚ መለስ፣ዘደናግሩ መልእኽታት‘ዮም ተፈንዮም።ሓደ ጊዜ ምክትል ቀ/ሚ፣ካልእ ጊዜ ተጠባባቂ ቀ/ሚ ይብሉ ነይሮም።ሎሚ ድማ፣ ነገራት ብራኢ ኣቶ መለስ ክቅፅል‘ዩ ኢሎም‘ዮም ተስፋ ገይሮም ነይሮም። ካቢነ ክቅፅል‘ዩ ዝብል ትፅቢት ነይሩ።ብመንፅር ኣብ ህወሓት ዘሎ ምስሕሓብ፣ቀ/ሚ ካበይ ናበይ ነነው ነነው ይብሉ ከምዘሎ ምርኣይ ይካኣል” ይብል።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተማሃራይ ራብዓይ ዓመት ዝኾነ ዘካርያስ ጌታቸው ብወገኑ፣ኣቶ ሃይለማርያም ብመንገዲ ኣቶ መለስ‘ምበር ብናይ ገዛእ ርእሶም መንገዲ ኣይኸዱን ዘለው ይብል፣

ዘካርያስ ወሲኹ ”ሓድሽ ቀ/ሚ ክመፅእ ከሎ፣ሓድሽ ኣንፈት ክተኣታቶ‘ዩ ኢለ ተፀብየ ነይረ። ግን ዝመፀ ሓድሽ ነገር የለን።ኩሉ በቲ ዝፀንሖ ኣንፈት‘ዩ ይቅፅል ዘሎ። ስለዚ እቲ ፓርቲ ክሳብ ዘይተለወጠ፣ዝማሓየሽ ነገር የለን ማለት‘ዩ።ናይ ሓደ ሰብ ምቅያር፣ኣብ‘ዛ ሃገር ለውጢ ከምፅእ‘ዩ ዝብል ግምት የብለይን” በለ።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ፣ዘመነ-ስልጣን ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ካብ ዘመነ-ስልጣን ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተፈለየ ኣይኸውንን ካብ ዝብል ውዒሉ ሓዲሩ‘ሎ።ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ንቪኦኤ ሪኢቶ ዝሃቡ ወሃቢ-ቃል ቀ/ሚ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ቀ/ሚ ይትግብርዎ ዘሎ ፖሊሲ ኢህወዴግ‘ዩ።ለውጢ ዝተፀበዩ ኣለው እንተኾይኖም ግና፣ክጉህዩ‘ዮም ምባሎም ዝዝከር‘ዩ ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።
XS
SM
MD
LG