ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ድኽነት ኣብ ምጥፋ ዘተባብዕ ለውጢ ከምዝምፅአት ተፈሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ጛንግ ቸን ግን ዝቕባበ ንተወሳኺ ምዕባለ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከምዘሎ ስግኣቶም ይገልፁ

ኢትዮጵያ ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ዓብይ ስዳሮ ተርኢ ኣላ።ቁፅሪ ህዝቢ ይዓቢ፡ዝቕባበ ይንህር ኣብዘለሉ እዋን ኣብ ድኽነት ናይ ዝነብሩ ቁፅሪ ሰባት ከምዝወረደ ተፈሊጡ።

ሰበስልጣን ምንስቴር ፋይናንስ ዝሓለፈ ዓርቢ ንትካላት ረድኤት ከምዝገለፅዎ ካብ 80 ሚሊዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ 25 ሚሊዮን ዝኾኑ ካብ ናይ ድኽነት ፀፍሒ ንታሕቲ ይነብሩ ኣለው ኢሎም።እቲ ኣሃዝ ዘርእዮ ድማ ዋላ በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዓመት ብልዕሊ 2.5 ሚእታዊ ይውስኽ እንተሃለ’ውን ካብ 2004 ኣ/ፈ ጀሚሩ ድኽነት ብኣርባዕተ ሚሊዮን ህዝቢ ነኪዩ ኣሎ።

ክኢላታት ስነቑጠባ ግን እቲ ድኽነት ዝተለክዐሉ ኣገባብ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ይገልፁ።ናይ ኢትዮጵያ መጠን ድኽነት ብዓለምከኸ ተቐባልነት ዘለዎ መጠን ኣታዊ ማለት’ውን ኣብ ማዕልቲ 1.25 ዶላር ኣታዊ ካብ ምርካብ ዝተሓተ እዩ።

ናይ እዋኑ ናይ ኢትዮጵያ መጠን ዝቕባበ 35 ሚእታዊ ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው ይብሉ ምንስቴር ገንዘብን ቁጠባዊ ምዕባለን ኣቶ ኣብርሃም ተኸስተ እቲ ናይ ድኽነት ምንካይ ዘደንቕ ዓወት እዩ ኢሎምዎ።

ነቲ መግልፂ ዝተኸታተሉ ዓለምለኸ ኪኢላታት ስነ ቑጠባ እቲ ኣሃዝ ዘተባብዕ እዩ ክብሉ ፀዊዖምዎ ኣለው።ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ጛንግ ቸን ግን ዝቕባበ ንተወሳኺ ምዕባለ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከምዘሎ ስግኣቶም ይገልፁ።

ኣብ ባንኪ ዓለም ምንካይ ድኽነት ኣፍሪካ ኪኢላ ስነ ቑጠባ ዝኾና ቾርቺንግ ጎህ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዘደንቕ ምዕባለ እንተርአየት’ውን ካብዝተሓተ ናይ ስታቲስቲክ መሰረት ዝልዓል ምዃኑ ብጥንቃቐ ይሪኦ።ኩነታት መነባብሮ ሃገራት ደረጃ ዝህብ መዐቀኒ ወይ’ውን መርአዪ ሰብኣዊ ልምዓት ማለት’ውን /Human Development Index/ ናይ ኢትዮጵያ ሕዚ’ውን ዳርጋ እቲ ኣዐሪዩ ዝተሓተ ምዃኑ እዩ ይብላ።

ሓፈሻዊ እቶት ንሕድ ሕድ ዜጋ እታ ሃገር ብምክፋል ምዕባለ ሓንቲ ሃገር ዝዕቀነሉ ሓደ ኣገባብ ማለት’ውን ፐር ካፒታ ኢንካም ኢትዮጵያ ትሕቲ 400 ዶላር ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ሕዚ’ውን ገና ኣብ ናይ መጀምሪያ ብርኪ ምዕባለ ከምእትርከብ ጎህ ይገልፃ።

XS
SM
MD
LG