ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭትን ኵናትን ኣብ ምንቅስቓስ ውድባት ፖለቲካ ኣሉታዊ ፅልዋ ምሕዳሩ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ገሊፆም


ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭትን ኵናትን ኣብ ምንቅስቓስ ውድባት ፖለቲካ ኣሉታዊ ፅልዋ ምሕዳሩ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ገሊፆም

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭትን ኵናትን ኣብ ምንቅስቓስ ውድባት ፖለቲካ ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዘሕደረ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ገሊፆም፡፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ቃለመሕትት ዝሃቡ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ተንቀሳቒስና ምስ ህዝቢ ክንዛተ ኣይከኣልናን ኢሎም፡፡ ብምኽንያት እቶም ንኵናት ስዒቦም ዝወፁ ዘለው ኣዋጃት ህፁፅ እዋን፣ መሰል ምንቅስቓስ ውድባት ፖለቲካ ከምዝተገደበ እውን ሓቢሮም፡፡ ካብዚ ፀገም ንምውፃእ ድማ፣ ኣብታ ሃገር ሰላማዊ ዘተ ምግባር ኣድላዪ ከምዝኾነ እቶም ኣባላት ኣመራርሓ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ውድብ ብልፅግና ነቶም ኣብታ ሃገር ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ንምዝታይ ቅሩብ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ውድብ ብልፅግና ፈዲላ ኣባቢያ ነቲ ትማሊ ረቡዕ ብተቓወምቲ ውድባት ዝቐረበ ቅሬታ ኣመልኪተን ንድምፂ ኣመሪካ ኣብዝሃበኦ ርእይቶ ውድበን ንፀገማት ብዘተ ንምፍታሕ ድልው እዩ ኢለን፡፡

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG