ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲን ተቃወምቲን ኢትዮጵያ ረቡዕ ፖለቲካዊ ልዝብ ክጅምሩ'ዮም


መራሕቲ መድረክን ኢህወዴግን
መራሕቲ መድረክን ኢህወዴግን

ኢህወዴግ ምስ 21 ተቃወምቲ ፓርቲታት’ታ ሃገር ጽባሕ ከምዝመያየጥ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

መንግስታዊ ሚድያ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝዘርገሖ ዜና፣ እቶም ፓርቲታት ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣጀንዳታት ክዘራረቡ ኣዮም።

ኣካይዳ’ቲ ኣኼባ፣ ነቲ መድረኽ መን ይምራሓዮ፣ ጉዳይ ተዓዘብቲ ከምኡውን ድሕሪ ልዝባት መን መግለጺ ንሚድያታት ይሃብ ዝብሉ ኣርእስቲ ክዝረበሎም’ዮ።

እቶም ፓርቲታት ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየድዎ ልዝብ፣ ቀጻሊ ኣንፈት ዴሞክራሲያዊ ህንጸትን ፖለቲካዊ ባይታ ዝያዳ ዝሰፍሐሉ ኣገባብን ከምዘልዐሉ ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG