ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዕልዋ ተፈቲኑ፣ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ካልእትን ተቐንጺሎም


ጀነራል ሰዓረ መኮነን
ጀነራል ሰዓረ መኮነን

ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያን ካልኦት ሰለስተ ሰበ ስልጣንን ኣብ እዋን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ብወትሃደራዊ ጀነራል ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምዝተቐንጸሉ ቴለቭዥን'ታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ኣምባቸው መኮንን ኣማኻሪኡን ኣብ ባህርዳር ከምዝተቐንጸሉ'ውን ክልላዊ ሚድያ ገሊጻ'ላ። እቲ ዕልዋ ብሓላፊ ቢሮ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ዝተመርሐ ከምዝነበረ'ውን እቲ ዜና ይሕብር።

መንግስቲ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ንመንቀሊ ዘርኣዊ ህውከት ኮይና ዝጸንሐት ክልላ ኣምሓራ ሓዊሱ፣ ብድሆ ኣጓኒፍዎ ኣሎ።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኸሰተ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ፌደራላዊ ሰበ ስልጣን ምስ ቀ/ሚ ኣብዪ ምስ ዝውግኑ ፕረዚደንት'ቲ ክልል ተራኺቦም ጀነራል ኣሳምነው ብቅሉዕ ምልሻታት ዝዕልምሉ ኩነታት ንምቁጽጻር ዝካኣለሉ ኣገባብ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ምኳኑ ትካል ሮይተርስ ገሊጻ ኣላ።

ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዝተፈነወ ቪድዮ 'ህዝቢ ኣምሓራ ንክዕጠቕ ጻውዒት ኣቕሪቡ' ከምነበረ'ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ትማሊ ሰንበት ወትሃደራዊ ዩኒፎርም ለቢሶም ብቴለቭዥን ዝቀረቡ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ 'ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተፈተነ፣ ኤታማዦር ሹም ሰዓረ መኮንን'ውን ሓደ ካብ'ቶም ግዳያት ኮይኑ ከምዘሎ' ጠቒሶም ኣለው።

መንግስታዊ ሚድያ 'ጀነራል ሰዓረ መኮንን ብዋርድያኦም ከምዝተቐንጸሉ' ኣረጋጊጻ ኣላ። መብዛሕተኦም ፈጸምቲ'ቲ ቅትለትን ኣላዓዓልቱን ከምዝተታሓዙን'ውን ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG