ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታትን ፖለቲካዊያን ሎሚ'ውን ፈቲሑ


ደገፍቲ ተቃወምቲ
ደገፍቲ ተቃወምቲ

ነዊሕ ዓመታት ተፈሪድዎም ተኣሲሮም ዝነበሩ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ፣ ኣንዷለም ኣራጌ፣ ኣሕመድ እንጀበልን ካልኦት እሱራትን ሎሚ ኣጋ-ምሸት ተፈቲሖም። ኩሎም ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ንክቕጽል ሓቲቶም፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቃሊሱ’ዩ ኣፍቲሑና’ውን ኢሎም።

ብካልእ ወገን ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝመርሕዎ ኦፌኮ ምስ ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮምያ ንክላዘብ ተሰማሚዑ። ሎሚ ዝተፈትሐ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ብወገኑ ‘ብሄር ተኮርን ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታትን ይፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲታት ብቅጽበት ደው ንክብልን መንግስቲ ምስ ሕጋዊን ዘይሕጋዊን ተቃወምቱ ንክላዘብን’ ጸዊዑ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ብዛዕባ’ቲ ምፍታሕ እሱራት መግለጺ ዘውጸአ ተሓላቂ ጋዜተኛታት ሲፒጄይ CPJ ‘ጋዜጠኝ እስክንድር ነጋ ምፍትሑ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ’።

እቲ ትካል ‘ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጋዜጠኛታት ዝቀረበ ክሲ ተቛሪጹ ንክፍትሑን መሰል ምዝራብ ንክኽበር ዘኽእል ሱር በቆስ ለውጢ ንክትሰርሓሉን’ ጸዊዑ።

ድሕሪ ናይ 18 መዓልታት ኣኼባ ኢህወዴግ መግለጺ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ‘ብቤት ፍርዲ ዝተበየኖምን ኣብ ክሲ ዘለው፣ ስለ ሃገራዊ ምርድዳእ ተባሂሉ ክፍትሑ’ዮም’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:21 0:00

XS
SM
MD
LG