ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስትር ኃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣን ናይ መረከቢ ሕቶ ኣቕሪቦም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሎሚ ሓሙስ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ከምዝሓተቱ ኣፍሊጦም። ንሶም ነዚ ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን እዚ ውሳነኦም ነቲ ዝተመደበ ለውጢ ኣብ ምትግባር ክሕግዝ ከምኡ’ውን ነባሪ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ከምዝገብሩ ገሊጾም።

ኣብቲ ብናይታ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ዝተፈነወ መደረ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር “ ናይቲ ፍታሕ አካልኽከውን እደልይ እየ” ዝበሉ ክኮኑ ከለው “ ሕቶን ጠለብ ህዝቢን ከማላእን ክምለስን ኣለዎ” ኢሎም።

ሰብሞያ ሕጊ እታ ሃገር ንውሳነ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ምቅባሎምን ዘይምቅባሎም ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ እሱራት ዝጠለብ ተቓውሞታት ክካየድ ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ መንግስቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣስታት 6,500 ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፓርቲ፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ምፍትሖም ይፍለጥ።

ቀ/ሚንስትር ሃይለማርያም “እቲ ናይ ስልጣን ምስግጋር ክሳብ ዝዛዘም” ኣብ መዝነቶም ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ ኮይኑ ካብ ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገር ኢህኣዲግ’ውን መዝነቶም ከምዝለቁ ሓቢሮም ኣለው።

“ ነዞም ጽገናታት ንምስኻዕ ኾነ ንዘቐመጥናዮም ናይ ፍታሕ ኣንፈታት አካል ፍታሕ ክኸውን ንምሕሳብ ብገዛእ ድልየተይ ፍቓደይን ካብ ሓላፍነት ኢህወዲግ ኾነ ካብ ሓላፍነት መንግስቲ ንምውራድ ሕቶ ኣቕሪበ ኣለኹ።”

ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝጀመረ ተቓውሞታት ናብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ምስፍሑን ከም ውጽኢቱ ድማ ንኣዋርሕ ዝጸንሓ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጁ እንተኾነ ግን ድሒሩ ምልዓሉ ይፍለጥ።

“ ነዞም ሕቶታት ዘቕረብክሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገጽ ውሕስነት ዘለዎ ዲሞክራሲ ንኽሰፍን አካል ፍታሕ ምኳን አድላይ’ዩ ኢለ ስለዝአመንክሉ’ዩ። ህዝቢ ንዘልዓሎም ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ምላሽ ምሃብ ግቡእ አድላይ’ዩ ኢለ እኣምን።”

ቀ/ሚንስትር ሃይለማርያም ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚንስትር መለስ ዜናዊ ነታ ሃገር ዝመርሑ ኮይኖም ኣቐዲሞም ከም ምክትል ቀዳማይ ሚንስትርን ወጻኢ ጉዳያት ሚንስትር ኮይኖም ምግልጋሎም’ውን ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኣብ 2013 ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኖም ሰሪሖም እዮም።

XS
SM
MD
LG