ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“አካል ፍታሕ ንምዃን” ካብ ሓላፍነት ንምውራድ ሕቶ ዘቕረቡ ቀ/ሚ ሃይለማርያም “ህዝቢ ዘልዓሎም ሕቶታት ምላሽ ምሃብ ግቡእ`ዩ” ኢሎም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሎሚ ሓሙስ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ከምዝሓተቱ ኣፍሊጦም። ንሶም ነዚ ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን እዚ ውሳነኦም ነቲ ዝተመደበ ለውጢ ኣብ ምትግባር ክሕግዝ ከምኡ’ውን ነባሪ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ከምዝገብሩ ገሊጾም።

ኣብቲ ብናይታ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ዝተፈነወ መደረ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር “ ናይቲ ፍታሕ አካል ኽከውን እደልይ እየ” ዝበሉ ክኮኑ ከለው “ ሕቶን ጠለብ ህዝቢን ከማላእን ክምለስን ኣለዎ” ኢሎም።

“ ነዞም ጽገናታት ንምስኻዕ ኾነ: ንዘቐመጥናዮም ናይ ፍታሕ ኣንፈታት: አካል ፍታሕ ክኸውን ንምሕሳብ ብገዛእ ድልየተይ ፍቓደይን ካብ ሓላፍነት ኢህወዲግ ኾነ ካብ ሓላፍነት መንግስቲ ንምውራድ ሕቶ ኣቕሪበ ኣለኹ።”

ሰብሞያ ሕጊ እታ ሃገር ንውሳነ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ምቅባሎምን ዘይምቅባሎም ዝተፈልጠ ነገር የለን።

“ ነዞም ሕቶታት ዘቕረብክሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ሃገርና ነባሪ ሰላም ንኽረጋገጽ ውሕስነት ዘለዎ ዲሞክራሲ ንኽሰፍን አካል ፍታሕ ምኳን አድላይ’ዩ ኢለ ስለዝአመንክሉ’ዩ። ህዝቢ ንዘልዓሎም ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ምላሽ ምሃብ ግቡእ አድላይ’ዩ ኢለ እኣምን።”

ንሶም ብተወሳኺ “ሃገርና ዝጀመረቶ ቕልጡፍ ምንቅስቓስ ልምዓት: ጭልቅዕ ዘሎ ደሞክራሲ ንኽሕይል: ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት-ደሞክራሲና ዝያዳ ክሕይል ዘለዎ ምዃኑን: ፖለቲካዊ -ምሕደርኡ ዝያዳ ክሰፍሕ ከምዘለዎ ስለዝኣምን: ንዕኡ`ውን ኢህወደግን መንግስትን ዝጀመርዎም ስርሓት ኣሓይሎም ክቕጽሉ ዘለዎም ምዃኑ ብጽኑዕ ኣኣምን” ኢሎም።

ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝጀመረ ተቓውሞታት ናብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ምስፍሑን ከም ውጽኢቱ ድማ ንኣዋርሕ ዝጸንሓ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጁ እንተኾነ ግን ድሒሩ ምልዓሉ ይፍለጥ።

“ህዝቢ ኣካል ፍታሕ ንክኸውንን ኣብ ሃገርና ውሕስነት ዘለዎ ሰላም ንክረጋገጽ፡ ዘላቕነት ዘለዎ ዲሞክራሲ ንክሰፍን ሰናይ ምሕደራ ንኽሕይል ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ብጽኑዕ እኣምን። ኣብ ኩሉ`ቲ መስርሕ ድማ ኣነ`ውን ብወገነይ ኣብ ዝተረፈ ግዜይ ኸበርክት ድልው`የ፡ ስለዚ ኩሎም ህዝብታትና ካብ`ዚ ሕማቕ ኩነታት ወጺእና ናብ`ቲ ዝፍለጥ ሰላምናን ናይ ልምዓት ምንቅስቓስናን ክንኣቱ ምስ ሓደራ እሓትት፡ ኣመስግን።”

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ክብል መግለጺ ሂቡ’ሎ።

" እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ ይኹን ደአ እምበር ንዘሎ ምዕባለታት ብቀረባ ንከታተሎ ኣለና። ንናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ፡ ምርግጋእን፡ምሕደራን ቁጠባዊ ምዕባለ ዘሓይል ጻውዒት ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ንለውጢ ብሓጎስ ንቕበሎ ኢና።"

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG