ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንዕጡቓት ተዋጋእቲ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንዕጡቓት ተዋጋእቲ ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቦም።

ንሶም ነዚ ፃውዒት ዘቕረቡ ትማሊ ሰንበት 4 ግንቦት 2016 ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ ድልድል ዘስምዕዎ መደረ'ዩ። እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተጀመረ 380 ሜትሮ ንውሓትን 43 ሜትሮ ስፍሓትን ዘለዎን ድልድል ብልዕሊ 1.4 ቢልዮን ብር ወጻኢ ዝተሃንጸ እዩ።

ቀ/ሚ ኣብይ "ዘየድልን ንኢትዮጵያ ዘየሳግርን ጉዕዞ’’ ዝበሉዎ "ምቅትታልን ምጥፍፋእን ይኣክል’’ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ሽም ከይገልፁ "ኣሕዋት’’ ክብሉ ንዝፀውዕዎምን "ኣብ ዱር ዝርከቡ ኣካላትን’’ ኢሎም ዝገለፁዎም ዕጡቓት ተዋጋእቲ ምስቲ ናይቲ ክልል መንግስቲ ሓቢሮም ክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ኣረጋ ከበደ እውን ተመሳሳሊ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ነቀምት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እውን "ነንሕድሕድ ምቅትታልን ምብልላዕን ይኣክል’’ ዝብል መደረ ኣስሚዖም ነይሮም።

መደረ ቀዳማይ ሚንስተር ግልፅነት ዝጎደሎ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት እናት ፓርቲን ኣቦ-መንበር ናይ ፓርትታት ምትሕብባርን ዶክተር ሰይፈ ስላሴ ኣያሌው፡ "መፍትሒ ዘምፅእ ፃውዒት ኣይኮነን ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ዘሕለፉዎም መልእኽትታት ነንባዕሎም ዝራፀሙ እዮም’’ ክብሉ ነቒፎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG