ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ብጉዳይ ጸረ-ሽበራ ሕግና ካብ ምዕራባውያን ትካላት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ተኸፊቱና`ሎ` ቀ/ሚ መለስ


ኢትዮጵያ ዘውጻኣቶ ጸረ-ሽበራ ሕጊ ንተቓወምቲ ንምዕፋን ዘገልግል መሳርሒ`ዩ ይብሉ ነቐፍቲ

ኣብ ፓርላማ ዝተዛረቡ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ Human Rights Watch ነቶም ንምዕራባዊ ስነ-ሓሳብ ዝቃወማ ሃገራት ንምድኻም ዝሰርሑ ሓይልታት ዘገልግል`ዩ ኢሎም። “ንዓና ንምብርካኽ ዝካየድ ወፍሪ`ዩ፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ምትእስሳር የብሉን”

Amnesty International ብወገኑ ኣብ`ዛ ዝሓለፈት ዓመት ጥራሕ፡ እቲ ጸረ-ሽበራ ሕጊ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 100 ጋዜጠኛታትን ተቓወምቲ ፖሊቲከኛታትን ንምእሳር ኣገልጊሉ`ዩ ይብል።

ኮሚቴ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት(CPJ) ብወገኑ፡ መንግስቲ መለስ፡ ኣብ`ዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት፡ ኻብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ንላዕሊ ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ናብ ስደት ኣህዲሙ ኢሉ።

ቀ/ሚ መለስ፡ ገለ ተቓወምቲ ናይ ኣሸበርቲ መሕብእን ጠበቓን ኾይኖም ምርኣይና ዘተሓሳስብ`ዩ ኢሎም።

ምሉእ ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG