ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ እትደፍር ሃገር ደጊማ ክትሓስብ ይግባእ" ቀ/ሚ ኣብይ


ቀ/ሚ ኣብ ስነ ስርዓት መዓልቲ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ
ቀ/ሚ ኣብ ስነ ስርዓት መዓልቲ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝኾነ ይኹን ሉኣላዊነት ሃገሮም እተስግእ ሃገር ከም እተዋርድ ትማሊ ሰንበት ኣጠንቂቖም። ።

ትማሊ ሰንበት 9 መስከረም 2024 "መዓልቲ ሉኣላዊነት" ብዝብል ኣብ መላእ'ታ ሃገር ዝተኻየዱ መደረኻት ኣብ ሓደ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ "ብወገና ዝኾነ ይኹን ድልየት ኲናት ይኹን ግጭት የብልናን’’ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ መዘክር ስዒቡ ምስ ሶማል ዘለዋ ወጥሪ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ዝተሰምዐ መደረ ናይቶም ቀዳማይ ሚንስተር ሽም ናይ ዝኾነት ሃገር ኣይቑሑን።

መራሕቲ ሶማል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ዝሃቡዎም ርእይቶታት ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ብምፍርራማ ንሉኣላውነት ሶማል ጥሒሳ እያ ክብሉ ይኸሱ።

ቀ/ሚ ኣብይ “ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኢትዮጵያ ምስ ሓደ ሓደ ሃገራት ናብ ግጭት ክትኣትው ትኽእል’ያ" ዝብሉ ዘረባታት ከምዘለው ብምግላጽ ንሶም ኣብ መዝነት ዝጸንሕሉ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ግን ምስ ዝኾነ ጎረቤት ሃገር ተኵሲ ከምዘይተሰምዐ ገሊጾም።

ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሉኡኽ መሰጋገሪ ሶማል ዝጽዋዕ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ተልእኾ ካብ ዓመተ 2025 ጀሚሩ ክዋፈር ክጅምር’ዩ። ሶማል ኣብዚ ተልእኾ ንናይ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ከምዘይትደልይ ምግላፃ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሶማል ብሰንኪ ምምላእ ማይ ፈለግ ኒል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ምስሕሓብ ትርከብ ግብጺ ወታሃደራዊ ስምምዕ ምፍራማ ይፍለጥ።

ሶማል ብተወሳኺ ግብጺ ኣብዚ ሓድሽ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ገደ ክሕልዋ ከምትደልይ ሓቢራ’ያ።

ኢትዮጵያ ብወገና ሶማል ንጠቅሚ ኢትዮጵያ ንዝጻረሩ ሓይልታት ምትእንጋድ ክትቑጠብ ኣጠንቂቓ’ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ መግለጺ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ካልኦት ኣካላት ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕማስ ኣብ ዝሰርሕሉ ስቕ ኢላ ከምዘይትዕዘብ ምግላጹ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG