ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዝቕፅል ዓመት በጀት 152 ቢሊዮን ብር ከምዝኸውን ተፈሊጡ


ኣብ 2005 ዓ/ም 138 ቢሊዮን ብር ዝነበረ በጀት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብሸሞንተ ሚእታዊ ብምውሳኽ 154 ቢሊዮን ከምዝኸውን ተፈሊጡ።ምንስቴር ገንዘብን ኢኮኖምን ኢትዮጵያ ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድ ሎማዕንቲ ረቡዕ ንፓርላማ ቐሪቦም መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ይረኽብዎ ዘለው መሃያ እኹል ኣይኮነን ዝብል ካብቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝተልዓሉ ብርከት ዝበሉ ሕቶታት ሓደ ነይሩ።ኣባል ፓርላማ ዶ/ር ኣሸብር ኣባላት ፓርላማ ከም ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ገንዘብ ይከፈል ዝብል እምነት ዋላ እንተዘይሃለወኒ ‘’ግን ንህዝቢ ካብ ምኽባርን ነቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝውሃቦ ኽብርን ብምብጋስ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ባኒ እናሓሰበ ፅቡቕ ሕጊ ከውፅእ፤ኣፀቢቑ ክከራኸር ይኽእል እዩ ዝብል እምነት የብለይን።’’ኢሎም።
ምንስቴር ሶፊያን መሓመድ ግን እቲ ወሳኒ ባዕሉ እቲ ቤት ምኽሪ ምዃኑን ጊደ ምንስትሪ ገንዘብን ኢኮኖምን ምሃብ ምኽሪ እዩ ክብሉ መሊሶም።

ብሕታዊ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ንስራሕቲ ባቡር ከምኣብነት ብምጥቓስ ን51 ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዝተመደበ ዝርዝር በጀት ኣይርኣይን ዘሎ ክብሉ ሓቲቶም።
ኣቶ ሶፊያን ኣሕመድ በጀት ዝምደበሎም ናይ መንግስቲ ኣብያተ ፅሕፈት ተባሂሎም ኣዋጅ ዝወፀሎም ከምዘለውን ገለ ገለ ናይ ልምዓት ትካልት ድማ ከምይ ከምዝምሓደሩ፣በጀቶም መን ከምዝፅድቖ፣ሒሳቦም መን ከምዝምርምሮ፣ ዝሰርሕሉ ስርዓትን ኣዋጅን ኣሎ ክብሉ ኣብሪሆም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝቕፅል ኣኼባ ነቲ በጀት ከፅድቖ ትፅቢት ይግበረሉ።
XS
SM
MD
LG