ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣውፂኡዎ


ፓርላማ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣውፂኡዎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:52 0:00

ፓርላማ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣውፂኡዎ

ፓርላማ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣውፂኡዎ።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ 21 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ግብረ-ሽበራ ኢሉ ንህወሓት ካብ ዝመደቦም ጉጅለታት ዝርዝር ሰሪዙዎ ኣሎ።ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ተፀዋዒ መንግስቲ ንነባሪ ሰላምን ንተግባሪዊነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣድላይ ውሳነ እዩ ኢሎም።

እዚ ውሳነ ዝተበጽሀ ንሞት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምኽኒያት ዝኾነ ደማዊ ግጭት ከብቅዕ ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እዩ። እዚ ናይ ሎሚ ረቡዕ ውሳነ ዝሕብሮ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ፌደራል መንግስቲን መሰጋገሪ ምምሕዳር ንምጥያስ ቀሪቡ ዘሎ ክልል ትግራይን ርክባት ይመሓየሽ ምህላው ዘርእይ እዩ።

እቲ ውሳነ ብ61 ድምፂ ተቓውሞን ሓሙሽተ ድምፀ ትዓቅቦን ብብዝሒ ድምጺ እዩ ፀዲቑ።

ህወሓት ኣብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ዝኣተው ኣብ ግንቦት 2021'ዩ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ህወሓት ኪንደያ ገብረሂይወት ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ካብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ምውፃእ እቲ ስምምዕ ሰላም ናብ ቅድሚት ዝወስድ ፅቡቕ ስጉምቲ እዩ ኢሉዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተፀዋዒ ሚንስትር ዝኾኑ ኣቶ ተስፋየ በልጅጌ ህወሓት ካብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ዝወፀሉ ምኽኒያት "ግጭታት ንካልኦት ግጭታት እናወለዱ ከይቕፀሉ ካብ ኣዙሪት ኵናት ንምውፃእን ፖለቲካዊ ፀገማት ንምፍታሕ ህወሓት ካብቲ ዝርዝር ናይ ምውፃእ ኣድላይነት ኮይኑ ተረኺቡ’’ ምባሎም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ፀብፂቡ።

እቶም ሚንስትር ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ፍረ የፍሪ ከምዘሎን ብዘላቒ ንምፅናዕ እቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ምቕራቡ ገሊፆም ኣለው ።

ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ቀሪቦም ሚንስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ምላሽ ሂቦም ኣለው። "ህወሓት ንሕገ መንግስቲ ንምኽባር ምስምምዑን ዕጥቒ ንምፍታሕ ዘተባብዕ ጅምራትን ከይድታትን ስለዘርኣየን ሕጋውን ሓቋፋይን መሓውር ኣብ ምውዳብ ስለዝርከብን እዩ’’ ዝብል ካብ መልስታቶም ገሊኦም እዮም።

ዶክተር ጌዲዮን ኣብቲ ክልል ኣገልግሎታት ንምብፃሕን ተምሃሮ ናብ ማእዲ ትምህርቲ ክምለሱ ብዙሕ ስራሕ የድሊ እ ዩምባሎም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ዜና ጸብጺቡ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ንዝነበረ ወታሃደራዊ ካምፕታት ብምጥቃዕ ነቲ ግጭት ጀሚሩዎ ክብል ክኸስስ ከሎ ህወሓት ብወገኑ ፌደራል መንግስቲ ኣቐዲሙ መጥቓዕቲ ክፍፅም ይዳሎ ነይሩ ክብል ይኸስስ።

ኣብ ሕዳር ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ተቋረፁ ዝነበረ ኮሚኒኬሽን፣ባንኪን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ክምለስ ገይሩ ኣሎ።

ሕጂ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ግጭት 20 ቢሊዮን ዶላር ዘድልይ ስራሕ ዳግመ ህንፀት ኣብ ቅድሚኣ ይፅበያ ኣሎ።

ኣመሪካ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኣካላት ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነትን ፈፂሞም ክትብል ውሳነ ኣሕሊፋ ኣላ።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ መግለፂ ኣመሪካ "ፈላይን ተባራዓይን’’ ክብል ነቒፉዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG