ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ዝርዝር እገዳታት ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከውፅእ ምዃኑ ኣፍሊጡ


ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተኸታተልትን ተለዋወጥን እገዳታትን መምርሕታትን ከምዘውፅእ ኣፍሊጡ።

እቶም ክልከላታት ወግዓዊ ዝኾኑ እቲ ኣዋጅ ፅባሕ ዓርቢ ብፓርላማ እታ ሃገር ምስ ፀደቐ ምዃኑ ኣብ ቤት ፀሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ዝተልዓለን ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሐሉን ምዃኑ ኣቶ ንጉሱ ኣረዲኦም።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኹ ንመጀመሪያ ግዜ ካብቲ ልሙድ ኣዳራሽ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር እዩ ኣኼብኡ የካይድ ምህላው'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ብቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ ህፁፅ ኣዋጅ ተግባራዊ ክኸውን ብክልተ ሲሶ ናይ ፓርላማ ድምፂ ክድገፍ ኣለዎ ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ዝተረጋግፀ ሓደ ሰብ ሓዊሱ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሓዙ 56 ዝሞቱ ድማ ክልተ ሰባት ተመጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG