ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንፀት መንገዲ ባቡር ናብ ጂቡቲ ምስ ምዕባለ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ - ቀ/ሚ ሃይለማርያም


Hailemariam D.
Hailemariam D.

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቅድሚ ኣባላት ፓርላማ ቀሪቦም ዝሃብዎ ሪኢቶ ኣብ ሕቶታት ኣባላት‘ቲ ቤት ምኽሪ ዝተመርኮሰ‘ዩ።

ኣቶ ግርማ ሰይፉ፣ብሕታዊ ወኪል ተቃወምቲ‘ዮም ክዛረቡ ከለው፣ኣብ መርሃ ግብሪ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ካብ ዝተሓቆፉ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ሓደ፣ህንፀት መንገዲ ባቡር ይዕወት‘ሎ ምባል ከምዘይካኣል ገሊፆም።

ብክልተ ኣንፈት ዝህናፅ 1,500 ኪ/ሜ መንገዲ ባቡር ከምዝተጀመረነን እቲ ቀዳማይን ኣዝዩ ይሰልጥ ዘሎን መንገዲ ባቡር ኣዲሳበባ ጂቡቲ‘ዩ።ዝያዳ ቆላሕታ ስለዝተዋሃቦ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ካብ 800 ኪ/ሜ ፍርቁ ተፈፂሙ‘ሎ። ንዓመታ ጥቅምቲ ክዛዘም‘ዩ ዝብል እምነት‘ሎ።ካብ መቀለ ናብ ኣዋሽ ዝዝርጋሕ 700 ኪ/ሜ ንምስራሕ ዘሕግዝ ገንዘብ ተረኺቡ‘ሎ፣ውዕል‘ውን ተኸቲሙ‘ሎ ኢሎም እቶም ቀ/ሚ።

ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:16 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG