ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ናይ 467 ቢሊዮን ብር ባጀት ንዝመጽእ ዓመት ኣጽዲቑ ኣፅዲቑ


ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ሶሉስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሃንደበት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ 467 ቢሊዮን ብር ብር ባጀት ንዝመጽእ ዓመት ኣጽዲቑ።ካብዚ 351 ቢሊዮን ብር ካብ ውሽጢ ሃገር ዝእከብ ኮይኑ ዝተረፈ 126 ቢሊዮን ድማ ካብ ወፃእን ውሽጥን ብልቓሕ ዝርከብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኣቶ ታገሰ ጫፎ እቲ ባጀት ብምሉእ ድምፂ ከምዝፀደቐ ገሊፆም።

ኣብ ህልው ኩነታት መብርሂ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ንህዝቢ ኦሮሞን ንኢትዮጵያን ናይ ምክፍፋል ወፍሪ ምክያድ ደው ኣቢሎም ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ክቃለሱ ሓቲቶም።

ኦሮሞ ኣብቶም ዝሓለፉ 100 ዓመታት ንነፃነቱ ተቓሊሱ ነፃ ወፂኡ እዩ ድሕሪ ሎሚ ናይ ዕጥቒ ቓልሲ የድሊ እዩ ዝብል እምነት የብለይን ኢሎም።ሰላማዊ መንገድን ኵናትን ኣጣሚርካ ምኻድ ግን ኣይክኣልን ኢሎም።

‘'ንኢትዮጵያ ምፍራስ ዝክኣል መጀመሪያ ንዓና ብምፍራስ እዩ’’ ዝበሉ ንሶም ‘’ንሕና እናሃለና ንኢትዮጵያ ምፍራስ ዘይፍቀድ ምዃኑ ብዝግባእ ምርዳእ ይክኣል’’ ኢሎም።

‘’ንሕና እናመራሕና፣ንሕና ብህይወት እናሃለና ናይ ኢትዮጵያ ምፍራስ ኣይንፈቅድን።ዝኾነ ይኹን ሰብ ትሕቲ ኢትዮጵያ እዩ።ሰላም ኣይደልን፣ዴሞክራሲ ኣየድልን፣ ኵናት እዩ መፍትሒኡ ዝብሃል እንተኾይኑ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ክስራሕ እዩ።ሕጂ ዘሎ ፖለቲካ ኣብ ቅንኢ ዝተመስረተ ፖለቲካ፣ ንኦሮሞ ዝኸፋፍል ፖለቲካ፣ ንኢትዮጵያ ዝኸፋፍል ፖለቲካ ኣይጠቅምን’' እዮም ኢሎም።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ወሲኾም ኦሮሞ ሓደ እዩ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ንኢትዮጵያ ክሃንፅ እዩ ኢሎም።

ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ዝተላዕለ ሁከት ይኹን ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ኣብቲ ናይ ሎሚ አኼባ ፓርላማ ብሪፖርት ይኹን ካብ ኣባላት ፓርላማ ዝቐረበ ርእይቶ ኣይነበረን።

ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ኣብዝሃብዎ ሰፊሕ መብርሂ ኣብዚ ኣዳራሽ ብዝርዝር ከቕርቡዎ ዘይደልዩ ጉዳይ እንተኾነ እውን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክኽበረሉ ዝግባእ ዝበሉዎ ስራሕ ምስርሑ ሓቢሮም።እኒ ግብፂ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ናብ ዓረብ ሊግ ወሲዶምዎ ዝነበሩ ሎሚ ናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲ ስለዝስዓረ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተመሊሱ ኣሎ እዚ ዓብይ ዓወት እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምርጫ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ቫይረስኮሮና እንተዘይመፅእ ነይሩ ምርጫ ክካየድ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንሶም ናይ ዝመርሑዎ ብልፅግና ፓርቲ ድልየት ዝልዓለን ድልውነትን ከምዝነበረ ሓቢሮም።ኮይኑ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ሃገራት ብናቶም ኣገላልፃ 58 ዝኾና ሃገራት ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ምርጫ ከምዘናውሓ ሓቢሮም።

በቲ ሕጂ ዘለዎ ኩነታት ምርጫ ንምክያድ እንተድኣ ተፈቲኑ ከምቲ ዝለመደናዮን ልሙድን ድራማ እዩ ክኸውን፤ዴሞክራሲ ኣይመፅእን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG