ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወከልቲ ትግራይ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ስለምንታይ ንረቂቕ ጉዳይ መንነትን ወሰንን ተቓዊሞምዎ?


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኢትዮጵያ ነቲ ‘ኣሳሓሓቢ ዝተባሃለ ሕጊ ወሰን ምምሕዳርን መንነትን’ ብኣብዛሓ ድምጺn ብኣርባኦተ ተኣቅቦን ትማሊ ሓሙስ ኣጽዲቕዎ ኣሎ።

ወከልቲ ትግራይ ኣባላት እቲ ፓርላማ ብሙልኦም ግና ነቲ ረቒቕ ሕጊ ተቃዊሞምዎ ኣለው።

ቪኦኤ ዘዘራረቦም ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣጽባሃ ኣረጋዊ ‘እቲ ዝቀረበ ረቂቕ ምስ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዝራጸም’ዩ ዝተቃወምናዮ’ ይብሉ።

ኣባላት’ቲ ፓርላማ ግና ‘እቲ ንጉዳይ መንነትን ወሰንን’ ኣጽኒዑን ተኸታቲሉን ምክረ ሓሳብ ዘቕርብ ኮምሽን ምስ ሕገ መንግስቲን ስልጣን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ዝጻባእ ኣይኮነን’ ይብሉ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:35 0:00

XS
SM
MD
LG