ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስክንድር ነጋ፣ኣንዷለም ኣራጌን ኣቶ ክንፈሚካኤል ኣበበን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑ አባል ግንቦት ሸውዓተ ምዃኖም ክፍርሙ ዝቐረበሎ ቅድመ ኩነት ምንጻጎም ስድራቤት ሓቢሮም


እስክንድር ነጋ፣ኣንዷለም ኣራጌን
እስክንድር ነጋ፣ኣንዷለም ኣራጌን

ብይቕሬታ ንክፍትሑ ናይ ዝተወሰነሎም 417 ዝርዝር ተኣረምቲ ንውሳነ ናብ ርእሰ ብሄር እታ ሃገር ምልኣኹ ምንጭታት ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጦም።

ብኻልእ ዜና እስክንድር ነጋ፣ኣንዷለም ኣራጌን ኣቶ ክንፈሚካኤል ኣበበን ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑ ኣባላት ግንቦት ሸውዓተ ምዃኖም ኣሚኖም ክፍርሙ ከምዝተሓተቱ ስድርኦም ንቪኦኤ ገሊፆም።

ምንጭታት ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ክፍትሑ ትፅቢት ዝገበረሎም 746 ተኣረምቲ እዮም።ካብዚኦም ዝተፈርዶም 417 ብይቕሬታ ክፍትሑ እዮም።

ቦርድ ይቕሬታ ኣብዚ ሰሙን ንክፍትሑ ከምዝወሰነን እቲ ውሳነ ናብ ፕሬዝዳንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ከምዝተልኣኸን ተሓቢሩ’ሎ።ንሶም ምስ ኣፅደቑዎ እዮም ክፍትሑ: ክሳብ ሎማ ፍርቂ መዓልቲ እቲ ናይ ይቕሬታ ደብዳቤ ተፈሪሙ ናብ መአረሚ ከምዘይተልኣኸ እዞም ምንጭታት ሓቢሮም።

ይቕሬታ ዝግበረሎም ኣባላት ኦነግ፣ግንቦት ሸውዓተ ፣ኣል-ሸባብ፣ጋህነንን ሲኣን፣ምስ ሃይማኖታዊ ፀንፈኝነትን ህውከትን ብዝተኣሳሰረ ዝተፈረዶም ከምዝርከቡዎ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ሓቢረን ኣለዋ።

ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዝተፈረዶም ናይ ቀደም ፓርቲ ሓደነት ኣባል ኣመራርሓ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌን 18 ዓመታት ዝተፈረዶ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ካብቶም ብይቕሬታ ዝፍትሑ እዮም።

ብኻልእ ዜና ግን ጋዜጠኛ እንስክድር ነጋ፣ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌን ኣቶ ክንፈሚካኤል ኣበበን ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክፍትሑ ኣባላት ግንቦት ሸውዓተ ምዃኖም ኣሚኖም ክፍርሙ ከምዝተሓተቱ ኣባላት ስድርኦም ንቪኦኤ ገሊፆም።

ክፍትሑ ምስ ሰምዐት ታሕጓሳ ምግላጻ ዝሓበረት ብዓልቲ ቤቱ ንእስክንድር ነጋ ወ/ሮ ሰርካለም ፋሲል ሎማዕንቲ ግን ካልእ ኮይኑ ረኺበዮ ትብል።

“ሎሚ ንእስክንድር ክሓቱ ዝኸዱ ኣባላት ስድራና ከምዝገለፁልና እስክንድር ሓዊሱ ኣንድኣለምን ካልኦትን ናብ ቤት ፅሕፈት ተፀዊዖም ኣባል ግንቦት ሸውዓተ ነይርና ኢልኩም ፈርሙ ዝብል ቅጥዒ ክመልኡ ቐሪቡሎም።እስክንድር ኣባል ግንቦት ሸውዓተ ኣይነበርኩን፤ኣይፍርምን እውን ብምባል ከይተሰማምዑ ምምላሱ ፈሊጠ ኣለኹ። “

እስክንድር ጋዜጠኛ እምበር ኣባል ግንቦት ሸውዓተ ይኹን ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ስለዘይኮነ ንሱ ይኹን ኩላትና ኣይንቕበሎን ኢላ’ላ ሰርካለም ብምስዓብ መንግስቲ ቃሉ የኽብር እውን ኢላ ።

“መንግስቲ ንእሱራት ክፈትሕ እየ ክብል ቃል ኣትዩ’ሎ፤ክፈትሕ እንተድኣ ደልዩ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፈትሕ ኣለዎ እምበር ውፃእ በሎ ከይወፅእ ግበሮ ዝብል ፀዋታ ብሓቂ ንምዝራብ ኣዚዩ እዩ ኣሕሚሙኒ ዘሎ።”

ሎሚ ንኣንዱኣለም ክትሓትት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይደ ነይረ ዝበለት ሓፍቱ ፋንቱ ኣራጌ ኣብቲ ፎርም ክፍርም ከምዝተሓተተን ግን መንግስቲ ከምቲ ንህዝቢ ይቕሬታ ዝሓተቶ ንዓና እሱራት እውን ይቕሬታ ሓቲቱ ክፈትሐና ይግባእ ኢሉ ከምዝመለሰሎም ንቪኦኤ ገሊፃ’ላ።

ብዓልቲ ቤቱ ንኣንዱኣለም ኣራጌ ዶ/ር ሰላም ኣስታቸው ብወገና ተስፋ ገይረ ነይረ ግን ሕዚ ፅቡቕ ኣይስምዓንን ዘሎ ክትብል ትዛረብ።

ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ስፒጀይ ክኢላ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣንጄላ ኲንታል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ እስንክድር ነጋ ብዘይቅድመ ኩነት ክፈትሖ ፀዊዓ’ላ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ምምሕዳር ቤት ህንፀት ፌደራል ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG