ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቡነ ማትያስ፣ሻድሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮዽያ


ኣቡነ ማትያስ
ኣቡነ ማትያስ
ሓድሽ ፓትርያርክ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስኢትዮዽያ፣ሎሚ ሓሙስ ተመሪፆም።ስነ-ስርዓት ሹመቶም ዝመፅእ ሰንበት፣ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስተ-ስላሴ ክፍፀም‘ዩ።

ርእሰ-ሊቃነ-ዻዻሳት ኣቡነ ማትያስ፣ናይ‘ታ ቤተ-ክርስትያን ሻድሻይ ፓትርያርክ ንክኾኑ ዝተመርፁ ሎሚ ሓሙስ‘ዩ።

ኣብ‘ቲ ዝተካየደ ስነ-ስርዓት ምድማፅ 8 ሚእቲ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣነስትዮን ንክሳተፉ ብቅዓት ነይሩዎም።ንኣቅሽሽቲ፣ኣባላት ቤ/ትምህርቲ ሰንበት፣ወከልቲ ገዳማትን ዻዻሳትን ከምኡውን ካብ ግብፂ ዝተወከሉ ሓሙሽተ ሰባት ዝሓቆፈ ምኻኑ‘ውን ተገሊፁ‘ሎ።እቲ መስርሕ ምርጫ፣ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሓዳ ኣዳራሽ፣ኣብ ክፉት መድረኽ እዩ ተካይዱ።

ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ምርጫ ፓትርያርክ፣ንውፅኢት ክገልፁ ከለው፣ኣቡነ ማትያስ ካብ 806 መረፅቲ ናይ‘ቶም 500 ድምፂ ረኺቦም ቀዳማይ ኮይኖም‘ለው።ኣቡነ ማትያስ፣ድሕሪ‘ቲ ምርጫ ታሕጓሶም እውን ገሊፆም።

እምባኣር ፈቃድ እግዚኣብሄር ተፈፂሙ‘ሎ።ስለዚ ንፃውዒት እግዚኣብሄርን ቤተ-ክርስትያንን፣ብክብሪ ተቀቢለዮ‘ለኹ።ዝፅበየኒ ዕዮ ዋላ‘ኳ ረዚን እንተኾነ፣ ምስ ኣቦታት፣ሊቃነ-ዻዻሳት፣ካህናትን ምእመናንን ሓቢርና ስለንሰርሕ፣ዝፈኮሰ ክኸውን‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

እቶም ሓድሽ ፓትርያርክ፤ድሕሪ ከይዲ ምድማፅ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ ንምጥንኻር‘ታ ቤተ ክርስትያን ክንዲ ዝካኣለኒ ክሰርሕ‘የ ኢሎም።

“ደገፍ ኣምላክ ተወሲኽዎ፣ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮዽያን ንትምህርታን ንምጥንኻር ክሰርሕ‘የ።ንተኸተልቲ‘ዛ ቤተ-ክርስትያን ንምውዳብ፣ ንከገልግልን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንምልጋስን ተቀሪበ‘ለኹ” ኢሎም።

ኣብ ምርጫ ፓትርያርክ ዝቀረበ ሕፁይ ንዝተፈላለዩ ረቋሒታት ዘማልአ‘ዩ። ቀዳማይ ልዑል ትምህርቲ (ዘመናዊን ሃይማኖታውን ትምህርቲ) ዝተኸታተለ ክኸውን ይግባእ፣ዕድሚኡ ካብ ሓምሳ ክሳብ ሰብዓን ሓሙሽተን ክኸውን ኣለዎ።ጥዕንኡ ዘተኣማምንን ንምዕባለን ሓለዋን ረብሓታት‘ታ ቤተ-ክርስትያን ክሰርሕ ዝኽእል ክኸውን ይግባእ።

ሓድሽ ፓትርያርክ ኮይኖም ዝተመርፁ ኣቡነ ማትያስ፣ዕድሚኦም 71 እዩ።
ኣብ‘ታ ሃገር ፀላዊ ተራ ዘለዎም ፖለቲካውያን ካብ ዝቴኸብሉ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮዽያ ዝመፁ‘ውን‘ዮም።ንዓመታት ድማ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝተቀመጡን፣ወካላይ‘ታ ቤተ-ክርስትያን ኮይኖም ኣብ ኣሜሪካን እየሩሳሌምን ዘገልገሉን ምኻኑ‘ውን ተፈሊጡ‘ሎ።

ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድሚኦም ዝዓረፉ ኣቡነ ዻውሎስ፣ብሕልፊ ኣብ ዘፈራት ምዕባለን ውግእ ፀረ-ኤይድስን ብዝነበሮም ውፉይነት ናእዳ ከምዝረኸቡ ዝዝከር‘ዩ።ምስ መንግስቲ ብዝነበሮም ስጡም ርክብ ድማ ይንቀፉ ነበሩ።

ሓድሽ ፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ፣መንግስቲ ኣብ ስራሕቲ ቤተ-ክርስትያን፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ስራሕቲ መንግስቲ ጣልቃ ኣይኣትውን ይብሉ፣

”ብዘይጥርጥር ኣብ ስራሕ ምዕባለ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና።ንሰላም‘ዛ ሃገር ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ኢና።ግልባጡ ድማ፣መንግስቲ ስርሑ ይግበር። ቤተ-ክርስትያን ብወገና ስርሓ ትግበር።ገጉዳይና ኢና ክንዓዪ”ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ‘ታ ቤተ-ክርስትያን ዝፀንሐ ምምቅቃል ኣብ ዘመን መሪሕነት ሓድሽ ፓትርያክ ክፍታሕ‘ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም፣ዋና ፀሓፊ ኮሚቴ ምርጫ ዝኾኑ ሊቀ-ማእምራን ፋንታሁን ውጬ ገሊፆም።

ብፁእ ማትያስ ሊቀ-ዻዻስ፣ኣብ ወረዳ ስቡሕ ዓጋመ ትግራይ፣ካብ ወለዶም ኣቶ ወልደጊዮርጊስን ካብ ወ/ሮ ከለላ ከምዝተወለዱ ተፈሊጡ‘ሎ።

መንግስታዊ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ከምዝገልፆ፣ካብ 84 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮዽያ ልዕሊ 43 ሚእታዊ ተኸታላይ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG