ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣቡነ መርቆሪዮስ ስልጣን ፓትሪያሪክነት ዝሓዙ ብርትዓዊ መንገዲ ኣይነበረን ክብል ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስቲያን ነቒፉ


ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስቲያን ኣብ ስደት ዝርከቡ ብፁእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ስልጣን ፓትሪያርክነት ጨቢጦምም ዝነበሩ ብርትዓዊ መንገዲ ኣይነበረን ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሃቦ መግለፂ ነቒፉ። ኣብ ስደት ዝርከብ ሲኖዶስ ብወገኑ ኣቡነ መርቆሪዮስ ዝተመረፁ ብህገ ቤተ ክርስቲያንን ብምልኣተ ጉብኤን እዩ ክብል ገሊፁ’ሎ።
እቲ ሎማዕንቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተውሃበ መግለፂ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ወፃእን ዝርከቡ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክስርስቲያን ዘሎ ኣፈላላይ እናሰፍሐ ከምዝቐፀለ ዘርኢ እዩ።

ዓቃቢ መንበረ ፓትሪያሪክ ብፁእ ኣቡነ ናትናኤል ኣብዝተረኸብሉ ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ንጋዜጠኛታት ዝተነበበ እዚ መግለፂ እዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ራብዓይ ፓትሪያሪክ ብፁእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ዘተኮረ እዩ።ራብዓይ ፓትሪያሪክ ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ ብርትዓዊ መንገዲ ኣይነበረን ይብል እቲ ዝተነበበ መግለፂ።

ናይ ገዛእቲ ሓይሊ ተጠቒሞምን ኣብ ልዕሊ እቲ ሲኖዶስ ተፅዕኖ ብምሕዳርን ህገ-እግዝኣቢሄር ጥሒሶም ስልጣን ፓትሪያሪክነት ዓቲሮም ዝበለ እቲ መግለፂ ‘’ኣብ ክንዲ ንእግዚኣብሄርን ሓቅን ክእዘዙ ጠጠው ንዝበልሉ ምድራዊ ስልጣን ብምድላው ዝተዛብዐ ኣሰራርሓ ብምኽታል፣ሓቅነት ዘይብሉ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ ነታ ቤት ክርስቲያን ንነቐፌታ ኣሳጢሖምዋ፤ንህዝቢ’ውን ኣቐይሞም እዮም።’’ይብል።

ኣቡነ መርቆሪዮስ ናይ ፓትሪያርክነት ስልጣኖም ዝገደፍዎ 18 ነሓሰ 1983 ዓ/ም ንቅዱስ ሲኖዶስ ብምእካብ ስልጣኖም ንኽርከቦም ምስሓተቱ ከምዝነበረ ብመርትዖ ብምድጋፍ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣቡነ መርቆርዮስ ፓትሪያሪክ ልሰዘይኮኑ ክልተ ፓትሪያርካት ከምዝነብሩ ይዝረብ ዝነበረ እውን ጌጋ እዩ ኢሉ’ሎ።

ንራብዓይ ፓትሪያሪክ ኣቡነ መርቆስሪዮስ ብተደጋጋሚ ዝቐረበ ናይ ሰላም ፃውዒት ሰማዒ ስለዘይረኸበ ቅዱስ ሲኖዶስ ሻድሻይ ፓትሪያሪክ ብምምራፅ ስርሑ ንምቕፃል ወሲኑ’ሎ ይብል እቲ መግለፂ።

ኣብ ስደት ናይ ዝርከብ ሲኖዶስ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ኣብ ካናዳ ኣማሓዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሊቃ ካህናት ምሳሌ እንግዳ ግን ኣቡነ መርቆሪዮስ ዝተመርፁ ብህገ ቤተ ክርስቲያን እዩ ይብሉ።’’ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሪዮስ ዝተመረፁ ብህገ ቤተክርስቲያን ብምልኣተ ጉብኤ ከምዝኾነ ሙሉእ ዓለም ይፈልጥ እዩ።ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘለው እውን ይፈልጡዎ እዮም።’’

ናይ ፓትሪያሪክ ስልጣኖም ባዕሎም እዮም ገዲፍምዎ ንዝተብሃለ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዝስልጣን ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ግርማ ብምልኣተ ጉባኤን ብሕግን ከምዝተመረፁን ዝወፁ እውን ብድፍኢት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ዝንበሩ ኣቶ ታምራት ላይኔ ከምዝነበረ ምምስካሮም ኣረዲኦም ሊቀ ካህናት ምሳሌ።
XS
SM
MD
LG