ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሻድሻይ ፓትሪያርክ ንምምራፅ ዘኽእል ሕጊ ከምዝወፅእ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሊጣ።ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝርከብ ሲኖዶስ ዝተጀመረ ናይ ዕርቂ ድርድር እውን ንክቕፅል ተወሲኑ’ሎ።
ካብ 11 ጥቅምቲ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ንዓሰርተ ማዕልትታ ዕፁው ኣኼባ ከካይድ ዝፀንሐ ቅዱስ ሲኖዶስ እታ ቤተ ክርስቲያን ሎማዕንቲ ረቡዕ ንጉሆ 17 ነጥብታት ዝሓዘ መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ።
ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዓቃቢ መንበረ ፓትሪያሪክን ናይ ኣርሲ ሃገረ ስብከት ሊቀ-ጳጳስን ኣባ ናትናኤል እቲ ሲኖዶስ ካብ ኣብያተ ፅሕፈት ሃገረ ስብከታት ዝቐረበሉ ሪፖርት ምስ ሰምዐ ኣድላይ መምርሒ ምሃቡ ገሊፆም።
ናይ ኣዲስ ኣበባ ሃገረ ስብከት ንኣፈፃፅማ መንፈሳውን ማሕበራዊን ኣገልግሎት ብዝጥዕም ኣብ ምብራቕ፣ምዕራብ፣ኣብ ሰሜንን ደቡብን ብድምር ኣብ ኣርባዕተ ኣህጉረ ስብከት ንኽትምቀል ምውሳኑ’ውን ኣባ ናትናኤል ገሊፆም።ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሻድሻይ ፓትሪያርክ መረፃ ብዝምልከት ክሳብ 30 ሕዳር 2005 ዓ/ም ናይ ፓትሪያሪክ ምርጫ ሕጊ ንኽዳለው ኮሚቴ ከምዝተጣየሸን 30 ሕዳር 2005 ዓ/ም ኣብዝካየድ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ምልኣተ ጉባኤ እቲ ሕጊ ተመርሚሩ ንኽፀድቕን ከይዲ እቲ ምርጫ ንክቕፅልን ኣብ ስምም ምብፅሑ ሓቢሮም።
ንባዕሉ ሕጋዊ ስደተኛ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢሉ ምስ ዝፅውዕን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ዝርከብን ኣካል ቅድም ኢሉ ዝተጀመረ ጉዳይ ድርድር ዕርቀ-ሰላም ሕዚ’ውን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ ሲኖዶስ ወሲኑ’ሎ።