ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ሙኽታር ከዲር ፕሬዝዳንት ኦሮሚያ ኮይኖም


ኣቶ ሙኽታር ከዲር
ኣቶ ሙኽታር ከዲር
ብምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርነት ይሰርሑ ዝነበሩ ኣቶ ሙኽታር ከዲር ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮሚያ ኮይኖም።

ኣብ ቀረባ ብሞት ንዝተፈለዩ ኣቶ ኣለማዮህ ኣቶምሳ ዝትክኦም መን ይኸውን ዝብል ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ይቐርቡ ዝነበሩ ግምታት መልሲ ረኺቡ’ሎ።ሹመት ኣቶ ሙኽታር ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከይኮነስ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ይመስል።

ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኦሮሚያ ቀፃሊ ፕሬዝዳንት እቲ ክልል ክኾኑ ዝመረፆም ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ካብኔት ብምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ማዕረግ ኣታሓባባሪ ዘፈር ሰናይ ምሕደራ ፌደራል ከምኡ እውን ምንስቴር ስቪል ሰርቪስን ብምዃን ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣቶ ሙኽታር ከዲር ካብ ኣርባዕተ ቀንዲ ሰበስልጣን ፌደራል ሓደ እዮም ነይሮም።

ኣብ ዙሪያ ምርጫ ኣቶ ሙኽታር ካብ ፌደራል ይኹን ካብ ክልል መንግስቲ ዝርዝር መብርሂ ኣይተውሃበን።ብምኽንያት ሓድሽ ሓላፍነቶም ኣብ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝነበሮም ስልጣን ከምዝሓድጉ እውን ንገዛኢ ፓርቲ ቕርበት ዘለዎም ምንጭታት ይዛረቡ።
XS
SM
MD
LG