ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከልል ኦሮሚያ ተቓውሞ ከምዝቕፀለ ተገሉፁ


ኣብ ሓድ ሓደ ካባቢታት ክልል ኦሮሚያ ትማልን ሎሚን ተቓውሞ ከምዝቐፀለን ህይወት ሓደ ሰብ እውን ከምዝጠፍአን ነበርቲ ገሊፆም።

ሎማዕንቲ ኣብ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ፣ኣብ ምብራቕ ወለጋ፣ኣብ ምዕራብ ወለ፣ኣብ ሃገርጌን ከተማ ቡራዮን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ተቓውሞ ከምዝነበረ ነበርቲ ይገልፁ።

ዝተኣሰሩ ይፈትሑ፣ሓይልታት ምክልኻል ካብቲ ከባቢ ይውፅኡ፣ፍትሒ ህይወቶም ንዝስኣኑ ዝብሉ ጭርሖታት የስምዑ ከምዝነበሩ እዞም ነበርቲ ይገልፁ።

ከተማ ቡራዮ፣ኣብ ምብራቕ ወለጋ እትርከብ ከተማ ጊዳ ኣያና፣ከምኡ እውን ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ጥቓ ከተማ ጊምቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻየዱ ሰልፈኛታት ብሓይልታት ምክልኻል ድብደባ ከምዝተፈፀሞምን እቲ ሰልፊ ምስ ተበተነ እተን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፀጥታ ከምዝርከባ ይገልፁ እቶም ነበርቲ።

ትማሊ 21 ታሕሳስ 2008 ዓ/ም ዘዕበዩዋ ጓል ሓፍቶ ምዃና ዝገለፁ ሓደ ሰበ ሃና ገቢሳ ዝተብሃለት ጓል ሸውዓተ ዓመት እንታይ ምዃኑ ብዘይተፈልጠ መሳርሒ በከቢድ ቆሲላ ብኣምቡላንስ ናብ ሻንቡ ሆስፒታል፣ሽዑ ንሽዑ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ወሲዶምዋ ትሕከም ኣላ ኢሎም።

‘’ሸውዓተ ዓመት እዩ ዕድሚኣ።ኣዲኣ ብሕርሲ ስለዝሞተት ባዕለይ እየ ኣዕብየያ’’ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ካልኣይ ብርክቢ ቤት ትምህርቲ መምህር ዝኾኑ መምህር ኣዱኛ ኢሮሶ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሓደ ስሞም ዘይገለፁ መምህር ተዛሪቦም።

ብረት ዝተዓጠቑ ይርሓቑልና ኢሎም ብምሕታቶም ሓይልታት ፀጥታ መንብዒ ጋዝ ብምትኳስ ኣብ ዝበተንሉ እዋን መምህር ኣዱኛ ወዲቑ እናሃለወ ብሽጉጥ ከምቐተሉዎ ካብ ዝወደቐሉ ኣልዒሎም ናብ ሆስፒታል ካብ ዝወደዱዎን ሓደ ምዃኖም ዝሓበሩ እዞም መምህር ወሲኾም ይገልፁ።

ነበርቲ ከተማ ኣመሩ፣ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድብደባ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ምኽትል ኮማንደር ፖሊስ እታ ከተማ ጌቱ እምሬ 20 ታሕሳስ ኣብታ ከተማ ኣእማን ብምእካብ መንገዲ ዓፂዮም ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ተምሃሮ ኣብ ቁፅፅር ምስ ውዓሉ ሽዑ ንሽዑ ከምዝየፈትሑን ዝተኣስሩ ግን ናይቲ ክልል ሰላም ንምዝራግ መለዓዐሊ ደርፊ ይደፍሩ ዝነበሩ፣ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ባንክታት ኣብ ምዝራፍን ጣቢታት ፖሊስ ኣብ ምንዳድን ዝተዋፈሩ እዮም ክብሉ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG