ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንነት መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ


nekemte and gimbi oromia region
nekemte and gimbi oromia region

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ የጋጥሙ ዘለው ናይ ፀጥታ ፀገማት ንፁሃት ዜጋታት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምኡ እውን ምዝንባልን ይኾኑ ኣለው።

ኣብ ወሰና ወሰን ክልላት ኦሮሚያን ሶማሊያን ብሰንኪ ዘጋጠሙ ግጭታት ኣማእቲ ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያን ንዘመናት ይነብርሉ ካብ ዝነበሩ ብዘሕዝን ተመዛቢሎም።ኣብ ክልል ኦሮሚያ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍትታ ስዒቦም መንነት መሰረት ዝገበሩ መጥቓዕትታት ተፈፂሞም ቁፅሮም ብንፁር ዘይተፈልጡ ሰባት ተቐቲሎም፣ቆሲሎም፣ንብረቶም ተዘሚቱን ተመዛቢሎምን እዮም።ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራን ተጋሩን።

ኣብ ዞባ ቡኖ በደሌ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ ቆሲሎም፣ንብረቶም ዓንዩን ተዘሪፉን።ናይቲ ክልል መንግስቲ እውን ዘረጋገፆ እዩ።

ኣብ 1977 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኸሰተ ድርቂ ብሰፈራ ናብ ክልል ኦሮሚያ ዝኸዱን ንኣስታት 33 ዓመት ኣብኡ ይነብሩ ዘለውን ኣብ ስግኣት ንርከብ ኣለና ይብሉ ኣለው።ግዳያት መጥቓዕትን ምምዝባልን ንዝኾኑ ኣዘራሪብና ኣለና።ካብ ዞባታት ቡኖ በደሌ፣ምብራቕ ወለጋን ከተማ ሻሸመኔን።

ብምሉኡ ፀብፃብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:18:51 0:00

XS
SM
MD
LG