ዋሽንግተን —
ኣብ ክልል ኦሮምያ ናይ ወጻእተኛታት ንብረት ሓዊሱ ብውሑዱ 10 ኩባንያታት ብሓዊ ነዲዶምን ተዘሪፎም’ለው።
ሎሚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተቃውሞ ተኻይድዎም ካብ መንጎ ዝተባህሉ ከባቢታት ሰበታ፡ ሆለታ፡ሜታሮቢ፡ አርስን ውሮጉድሩን ምኻኖም ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ሰበታ ህዝቢ ብብዝሒ ይእሰር ከምዘሎን’ውን ይግለጽ ኣሎ ብዛዕባ’ዚ ንምጽራይ ስልኪ ዝተደወለሎም ኮማንደር ደስታ ኣብ ኣኼባ ምኻኖም ከምዝተነግረን ብተደጋጋሚ ዝተኻየደ ፈተነ ከምዘይሰለጠ ተሓቢሩ።
ቢቢሲ ኣፍሪቃ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጠቂሱ ከምዝሓበሮ ኣብ ኦሮምያ ንብረት ወጻእተኛታት ዝኾነ ሓዊሱ ብውሑዱ 10 ኩባንያታት ሓዊ ምንዳዶም ገሊጾም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።