ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ምይይጥ ዘይምክያዱ ዝሕተተሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ፣ ንዝፀንሐ መሓውር ተጠቂምካ ለውጢ ምምፃእ ኣይካኣለን’ ይብሉ ኣጋይሽና


ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተከሰተ ግጭት ‘መርአያ መንግስታዊ ድኽመት ዝፈጠሮ መረረት’ዩ ዝመስለኒ፣ ኣብ ውሽጢን ደገን ዘለው ተቃወምቲ’ውን ተወሳኺ ሓይሊ ነይሮም ነቲ ህልዊ ኩነትት ክንቅይሮ ንኽእል ንኸውን ኢና ኢሎም ዝሓሰቡ’ውን ተሓዊሶምዎ ይኾኑ’ዮም ይብል ኣቶ ዳደ ደስታ።

‘ስርዓተ ፈደራሊዝም፣ ንክልላት ዝሓቆፈን እተን ክልላት ሙሉእ ነፃነት ዘለወን ማለት’ዩ’ ዝበለ ኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ብወገኑ 'እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይትግበር ዘሎ ስርዓት ግና ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ክልላት ጣልቃ ዝኣትወሉን እተን ክልላት ድኹማት ፈደራላዊ መንግስቲ ግና ዝሓየለሉ’ዩ’ በለ። ኣቶ ዳደ ግና ምስ’ዚ ሓሳብ’ዚ ኣይሰማማዕን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ከምጠንቂ’ቲ ግጭት ዝጥቀስ ማስተር ፕላን ኣዲሳበባን ከባቢኣን ኮይኑ ዘሎ ብህዝቢ ምይይጥ ስለዘይተገብረሉ’ዩ ዝብል። 'ስለምንታይ ምይይጥ ኣይተገበረሉን ንዝብል ሕቶ ግና መልሲ ኣይሃበሉን ምኽንያቱንም መንግስቲ ባዕሉ ተሓታታቲ ስለዝኾነ' ይብል ኣቶ ሙሉጌታ።

‘ምምሕዳር ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ እታ ሃገር ኣጓኒፉዋ ዘሎ ብድሆታት ተፈቲሖም ንክሪኡ ድልየቶም ይመስለኒ። ግን እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ንካቢነ ኣይቀየርዎን፣ ክልቲኡ ፓርላማ ኣብ ቁፅፅር ኢህወዴግ’ዩ ዘሎ፣ ምኒስቲራትን ኣፈፀምትን’ውን ኣይተቀየሩን። ስለዚ ነዚ ፀገማት ዝፈጠረ ኣመራርሓን መሓውርን ሒዝካ ክፍትሑ ኣይኽእሉን’ ይብል ጋሻና።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG